Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ሉኣላዊነታ ዝሓለወት ኢትዮጵያ ንመፃኢ ወለዶ ከረክብ ትፅቢት ይግበረሉ – ሌ/ጄ ብርሃኑ በቀለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሌተናል ጄኔራል ብርሃኑ በቀለ ኣብ ኣፈፃፅማ ወፍሪ ጠሚቶም ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ እዚ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ÷ ናይ ነዊሕ ዘበን ታሪኽ ዘለዋ ኢትዮጵያ ብኽበሪ ኣብዚ ንኽትበፅሕ ብዙሓት መስዋእትነት ዝኸፈሉላ ዓባይ ሃገር ከምዝኾነት ኣብሪሆም፡፡

“ሃገር ንምፍራስ ረብሓኦም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ንምፅዓን ዝደልዩ ሓይሊታት የሃልዉ እምበር ንሕና ናይ መወዳእታ ድፋዕ ሃገርና ብምዃን ልኡኽቶና እናፈፀምባ ንርከብ” ኢሎም።

ኣቦ ሓጎታትና ንኢትዮጵያ ምስ ክብራ ከምዘረከቡና ንሕና እወቅን ትፅቢት ዝግበረልና መስዋእትነት ብምኽፋል ንመፃኢ ወለዶ ሉኣላዊነታ ዝተሓለወን ናፀነታ ዝተረጋገፀን ኢትዮጵያ ክነረክብ ይግባእ” ክብሉ ኣገንዚቦም።

ንኢትዮጵያ ንንምክፍፋልን ሓድነታ ንምፍራስን ናይ ወፃኢ ይኹኑ ናይ ውሽጢ ፀላእቲ ብዙሕ ፃዕሪ ይግበሩ እምበር፤ ኢትዮጵያ ግን ብቆራፅ ተጋድሎ ጀጋኑ ደቃ ካብ ምብታን ከምዝደሓነት ኣብሪሆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.