Fana: At a Speed of Life!

ሰርጌ ላቭሮቭ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ፃንሒት ብምዝዛም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሰርጌ ላቭሮቭ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ፃንሒት ብምዝዛም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ላቭሮቭ ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ትማሊ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ይዝከር።

ስለዝኾነ ሎሚ መዓልቲ ምስ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ዝፀንሐ ከልቲኣዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ምጥንኻር ኣበ ዘኽእሉ ዛዕባታት ብምድሃብ ተዛቲዮም።

ብተወሳኺ መስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ዝተዛተዩ እንትኾኑ፥ ድሕሪ እቲ ዘተ ናይ ሓባር መግለፂ ሂቦም።

ኣይተ ደመቀ መኮነን፥ ኣብቲ ዘተ ኣብ ኢኮኖሚ፣ ንግዲ፣ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዘለና ርክብ ኣጠናኺርና ንምቕፃል ተስማዕሚዕና ኣለና ኢሎም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ኤምባሲ ሩሲያ ብሓባር ፈልሲ ተኺሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.