Fana: At a Speed of Life!

ሰብ ሃፍቲ ቤልጂም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት መዋእለ ንዋዮም ንኸፍስሱ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ሂሩት ዘመነ ኣብ ዘፈራት ንግዲ፣ ቱሪዝምን ኢንቨስትመንት ብምትሕብባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ምስ ዳይሬክተር ንግዲን ኢንቨስትመንትን ዋሎኒያ ኣፍሪካን ማእኸላይ ምብራቕን ዝኾኑ ኤሪክ ዲ ሴኢሌኢስኪ ውፅኢታዊ ዘተ ምግባረን ገሊፀን፡፡

ኣምባሳደር ሂሩት ብመርበብ ሓሬታ ኣብ ዝገበረኦ ዘተ፥ ኩባኒያታት ቤልጂም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት መዋእለ ንዋዮም እንተፍሲሶም ምቹው ሃዋህው ከምዝፍጠረሎም ገሊፀናሎም፡፡

ኤሪክ ዲ ሴኢሌኢስኪ ብግደኦም፥ ሰብ ሃፍቲ ቤልጂም ኣብ ኣፍሪካ መዋእለ ንዋዮም ንምፍሳስ ልዑል ድሌትን ተበግሶን ኣለዎም ኢሎም፡፡

ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዘፈር ፋርማሲ ዘሎ ዕድል ስራሕ ንምዕዛብ፣ ወፃኢ ንግዲ ቡን ሃገራት ንምስፋሕ ኢሉ እውን ኣብ ዘፈር ቱሪዝም ንመስራሕ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.