Fana: At a Speed of Life!

ሲቪክ ማሕበረሰብ እወንታዊ ክብሪታት ህዝቢ ንክጉልብቱ ክሰርሑ ከምዝግባእ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣተሓሳሲቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሲቪክ ማሕበረሰብ እወንታዊ ክብሪታት ህዝቢ ንክጉልብቱ ክሰርሑ ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣተሓሳሲቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ተወከልቲ ትካላት ሲቪክ ማሕበረሰብ ሎሚ መዓልቲ ተዛቲዮም።

ጠንካራ ሃገር ንምህናፅ ተሳትፎ ኩሎም ኣካላት ስለዘድሊ ሲቪክ ማሕበረሰብ ኣብ ሰብኣዊ ልምዓት ብምትኳር ክሰርሑ ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብቲ መድረኽ ሓቲቶም።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ብግደኦም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመፅአ ለውጢ ስዒቡ ኣዋጅ ትካላት ሲቪክ ማሕበረሰብ ምምሕያሹ ስራሕቶም ቅድመ ሐዚ ካብ ዝነበረ ብዝሓሸ መልክዑ ንምስላጥ ከምዘኽኣሎም ገሊፆም።

ይኹን እንበር ዝድለ ለውጢ ንምምፃእ ሕጊ ካብ ምምሕያሽ ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ሲቪክ ማሕበረሰብን መንግስቲን ዝተጠናኸረ ምትሕብባር ምፍጣር ይግባእ ኢሎም።

ትልሚ ካብ ምውፃእ ጀሚሩ ዜጋታት ዝጠቕሙ ስራሕቲ እንትስርሑ ሲቪክ ማሕበረሰብ ብቐጥታ ክሳተፍ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ትካላት ሲቪክ ማሕበረሰብ ንክዳኸሙ ብሕጊ ከይተረፈ ንዓመታት ዝኣክል ይስራሕ ከምዝነበረ ዝተዛረቡ እቶም ተሳተፍቲ፥ መንግስቲ እቶም ትካላት ንክጠናኸሩ ኣብዚ ሐዚ እዋን ክድግፎም ከምዝግባእ እውን ሓቲቶም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ብግደኦም፥ ትካላት ሲቪክ ማሕበረሰብ ምጥንኻር ማለት ንህንፀት ትካላት ዴሞክራሲ ወሳኒ ስለዝኾነ ኣብ ፅባሕ ለውጢ ቀዲሞም ካብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ምምሕያሽ ኣዋጅ ትካላት ሲቪክ ማሕበረሰብ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ክፍጠሩ ዝድለዩ ትካላት ሲቪክ ማሕበረሰብ ኣብ ከተማታት ዝተሓፀሩ ዘይኮኑስ ናብ ኩሉ ከባቢታት ብምውራድ ክሰርሑ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ጠንካራን ሙይኡ ዘኽብርን ሲቪክ ማሕበረሰብ ምፍጣር እንተተኻኢሉ ኣብ መንጎ ትርፊ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ዝደሊዩ ሓይሊታት  ሚዛን ብምሕላው ንተጠቃምነት ህዝቢታት ምስራሕ ከምዝከኣል እውን ኣፍሊጦም።

ሲቪክ ማሕበረሰብ ካብ ዝኾነ ይኹን ውግንና ብዝፀረየ መገዲ ንተረባሕነት ህዝቢ ጥራሕ ንክሰርሑ ሓቲቶም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.