Fana: At a Speed of Life!

ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣብ ዘካየዶ መበል 209 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፥ ኣብ ረቂቕ ደምቢ ስራሕቲ መኣድን ብዝርዝር ብምዝታይ ውሳነ ምሕላፉ ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ዝተፈላለዩ መኣድናት ዝፈርዩ ይኹኑ እምበር፥ ሕብተሰብ ካብቶም መኣድናት ግቡእ ረብሓ እናረኸበ ከምዘይኮነ እቲ ቤት ምኽሪ ገምጊሙ።

እቲ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር፥ በቲ ረቂቕ ደምቢ ብዕምቆት ብምዝታይ ኣፅዲቑዎ ኢዩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ኣወዳድባ ጣቢያታት ከተማ ብዝምልከት ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ እውን ተዛትዩ ኣፅዲቑዎ ኣሎ።

ኣብቲ ክልል ዝርከባ ኣቢያተ ምኽሪ ጣቢያታት ከተማን ነዚ መሰረት ብምግባር ዝጣየሻ ኣቢያተ ምኽሪ ከተማታትን ብዝርዝር ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ ኢዩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር፥ መምርሒ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን መፈፀምቲ ኣካላት መንግስቲ ዝተመልከተ እንትኸውን፥ ኣቢያተ ዕዮ መፈፀምቲ ብዘፈር ብምውዳብ ውፅኢታውነተን እናገምገምካ ንምምራሕ ዝሕግዝ ተባሂሉ ዝቐረበ መምርሒ ብምርማር ኣፅዲቑ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.