Fana: At a Speed of Life!

ስሩዕ ጉባኤ ባይቶ ክልል ትግራይ ክሳለጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ስሩዕ ጉባኤ ባይቶ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዕለተ ሓሙስ 14 ጥሪ 2012 ዓ.ም ክሳለጥ ኢዩ።

እቲ ባይቶ ኣብ ዘካይዶ ሓምሻይ ዘበን ስራሕ መበል 18 ስሩዕ ጉባኤኡ፥ ኣፈፃፅማ ስራሕ ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት ክልል መንግስቲ ክርእይ ኢዩ።

ብተወሳኺ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲን ትግራይ እግሪ ምትካል ትግራይን(ትእምት) ብምግምጋም ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣብቲ ባይቶ ሓላፊ ርክብ ህዝብን ግልጋሎት ኮንፈረንስን ኣይተ ሙሉጌታ ታረቀ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ዋና ኦዲተር እቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ በጀት ዓመት ዝረኸቦ ርካቦት ኦዲት ናብቲ ባይቶ ክቐርብ ኢዩ።

ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘድሃቡ 12 ረቀቕቲ ኣዋጃት ብምቕራብ፥ እቲ ባይቶ ተዛቲዩ ከፅድቕ ኢዩ ተባሂሉ።

ካብእቶም ዝቐርቡ ረቀቕቲ ኣዋጃት፥ ወረዳታት ትግራይ ከምብሓዱሽ ምውዳብ ዝምልከት ረቂቕ ኣዋጅ ከምዝርከብ እቶም ሓላፊ ብኣብነት ሓቢሮም።

ተወሳኺ በጀት እቲ ባይቶ ሓዊሱ ሹመት ዳያኑ እውን ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እቲ ስሩዕ ጉባኤ፥ ክብ 14 ክሳብ 20 ጥሪ 2012 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ከምዝሳለጥ ድማ ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.