Fana: At a Speed of Life!

ስርዓት ግብሪ ንምቅልጣፍ ዝሕግዝ ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር እቶት ስርዓት ከፈልቲ ግብሪ ዘቀላጥፍ ስምምዕነት ምስ ባንኪታትትን ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ተፈራሪሙ፡፡

እቲ ስምምዕነት፥ ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን፣ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ካልኦት ኣርባዕተ ናይ ውልቀ ባንኪታትን ኢዩ ተፈሪሙ፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር እቶት ኣይተ ዘመዴ ተፈራ፥ እቲ ስምምዕነት ካብ ኣዲስ ኣበባ ወፃእ ኣብ ኩሎም ካፋላት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ከፈልቲ ግብሪ ተረባሕቲ ዝገብር ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ናይ ውልቀ ባንኪታት ናብዚ ስርዓት ከኣትዉ ምግባሩ እቲ ኣሰራርሕ ከፈልቲ ግብሪ ይኹኑ ግብሪ ንዝእክብ ኣካል ብዝበለፀ ጥጡሕ ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ ኣታዊ ብብቕዓትን ብእዋኑን ንምእካብ ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ልዑል ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ዶክተር ሱመቴ ግዛው ብግደኦም፥ እቲ ኤጀንሲ ከፈልቲ ግብሪ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ኮይኖም ግብሮም ብባንኪ እንትኸፍሉ ድሕንነት ሓበሬታ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ከምዘለዎ ገሊፆም።

ኣብ መርበብ ሓበሬታታት ዝፍነዉ መጥቃዕቲታት መርበብ ሓበሬታ ብምፍሻል እቲ ኣሰራርሓ ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ንምግባር ዝተውሃቦ ሃገራዊ ሓላፍነት ከምዝዋፃእ እውን ኣረጋጊፆም፡፡

ዋና ዳይሬክተር ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣይተ ዮሃንስ ሚሊየን፥ ኣብቲ ኣሰራርሓ ስርዓት ብዙሓት ውፅኢታት ዝተመዝገቡሉ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ዝበለፀ ውፅኢታዊ ንምግባር ውልቀ ባንኪታት ናብቲ ስርዓት ከኣትዉ ምግባሩ ድማ ዝነኣድ ከምዝኾነን ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእን ምግላፆም ካብ ሚኒሰስቴር እቶት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.