Fana: At a Speed of Life!

ስትራተጂ ዳግመ ሕውየት ተደረቕቲ ከባብታት ትግራይ ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእል ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ አበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፥ ስትራተጂ ዳግመ ሕውየት ተደረቕቲ ከባብታት ትግራይ ንምፅዳቕ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ከተማ መቐለ ይዝቲ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ዶክተር ኢያሱ ኣብረሃ፥ ሕርሻ ትግራይ ንምዝማን ይስራሕ ከምዘሎ ኣመላኺቶም።

ስትራተጂ ዳግመ ሕውየት ተደረቕቲ ከባብታት ትግራይ ኣብ ምሕደራ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ምሕደራ መሬት ፣ምሕደራ ሃፍቲ እንስሳ፣ ዝተዋደደ ፓሊስን ርክብ መዳርንቲ ኣካላትን ዘካተቶም ጉዳያት እዮም።

ዶክተር እያሱ፥ ሕርሻ ትግራይ ካብ ምልዋጥ ብተወሳኺ ትግበራ ስትራተጂ ዳግመ ሕውየት ተደረቕቲ ከባብታት ትግራይ ምስ ተረባሕነት ሕብረተሰብ ተዛሚዱ ከምዝትግበር እውን ሓቢሮም።

ካብ ዝተፈላለዩ ቢሮታትን ትካላትን ብኣባልነት ዝሓቖፈ ጉጅለ ብቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ተጣይሹ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ይሳተፍ ኣሎ።

እቲ ስትራተጂ ሎሚ መዓልቲ ክፀድቕ ከምዝኽእል ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ናብ ተግባር ከምዝእቶ እውን ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።

90 ምኢታዊ መሬት ትግራይ ተደረቒ ከባቢ ምዃኑ ብምግላፅ፥ ስትራተጂ እቲ ሕውየት ሕብረተሰብ ተረባሒ ብዝኾነሉ መገዲ ከምዝትግበር ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.