Fana: At a Speed of Life!

ስነ ስርዓት ቀብሪ ነበር ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ በቀለ ሙለታ ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ ስርዓት ቀብሪ ነበር ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ በቀለ ሙለታ ተፈፂሙ።

ኣይተ በቀለ ኣብ ዝተፈላለያ ሚዲያታት ብብርኪ ሓላፍነት ንብዙሕ ዓማውቲ ኣገልጊሎም።

ኣብ 1963 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተወለዱ ኣይተ በቀለ፥ ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቶም ኣብ ወሰን ሰገድ ቀዳማይ ደረጃ ከምኡወን ካልኣይ በርኪ ትምህርቶም ድማ ኣብ ኣዲስ ከተማ ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተማሂሮም።

ን30 ዓማውቲ ኣብ ሚዲያታት ዘገልገሉ ኣይተ በቀለ ሙለታ፥ ሙያ ጋዜጠኝነት ንክትግበር ኣብ ምግባር ልዑል ኣስተዋፅኦ ነይሩዎም።

ኣይተ በቀለ ብምኽኒያት ዘጋጠሞም ሕማም ሕክምናዊ ሓገዝ እናተገበረሎም ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ መበል 53 ዕድሜኦም ብሞት ካብዚ ዓለም ተፈሊዮም።

ኣይተ በቀለ በዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑትን ነይሮም።

ብትእግስት ብርሃኔ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.