Fana: At a Speed of Life!

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ናይ ክብሪ ዶክተር ኣበበች ጎበና ኣብ ካቴድራል ቅድስት ስላሴ ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ-ስርዓት ቀብሪ ናይ ክብሪ ዶክተር ኣበበች ጎበና ኣብ ቤተ ክርስትያን ካቴድራል ቅድስት ስላሴ ተፈፂሙ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰን ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ፈተውቲ፣ ዘመድ ኣዝማድን ተረኺቦም፡፡

ሕዚ ድማ ስነ ስርዓት ቀብረን ተፈፂሙ ኣሎ።

ካብ ንጉሆ ሰዓት 3 ጀሚሩ ክሳብ ሰዓት 5 ካብ መንበሪ ገዝአን ናብ ኣደባባይ መስቀል ምፍናው ኣስከሬን ተኻይዱ ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ካብዚ ብምቕፃል ድማ ናብ ቤተ ክርስትያን ካቴድራል ቅድስት ስላሴ ስነ-ስርዓት ምፍናው ተኻይዱ ኢዩ፡፡

ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዘስመዐኦ መደረ፥ ዶክተር ኣበበች ጎበና ንዝሓለፉ 40 ዓማውቲ ንዘበርከተኦ ሰናይ ተግባር ምስጋና ኣቕሪበን።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፥ ዶክተር ኣበበች ዝጀመረኦ ስራሕቲ ሰናይ ተግባር ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣብሪሀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.