Fana: At a Speed of Life!

ስነ-ስርዓት ኣከባብራ በዓል መውሊድ ኣብ ዩኔስኮ ዘይድህሰስ ሓድጊ ንምምዝጋብ ዝዓለመ ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ስነ-ስርዓት ኣከባብራ በዓል መውሊድ ኣብ ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህሊን ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ዩኔስኮ) ዘይድህሰስ ሓድጊ ንምምዝጋብ ዝዓለመ ዘተ መጀመሪ መፅናዕቲ ኣይዱ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ብተኸተልቲ እምነት እስልምና በቢዓመቱ ብድምቀት ዝኽበር በዓል መውሊድ ባህላዊ መልክዓት ብምፅናዕ እዚ መልክዑ ንምርኣይ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሰለስተ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ልዝብ ዝተኻየደሎም እንትኸውን÷ ተኸተልቲ እቲ እምነትን መምህራንን ሓዊሱ ብዙሓት ኣካላት ኣብቲ መድረኽ ዘተ ተሳቲፎም።

ብበረከት ተካልኝ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.