Fana: At a Speed of Life!

ስግግር ምርምርን ቴክኖሎጂን ንምስላጥ የኽእል እዩ ዝተብሃለ መፅናዕቲ ዕላዊ ኮይኑ፡፡

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፎረም ዩኒቨርሲቲን ኢንዱስትሪን ብምምስራት ስግግር ምርምርን ቴክኖሎጂን ንምስላጥ የኽእል እዩ ዝተብሃለ መፅናዕቲ ዕላዊ ኮይኑ፡፡

ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘፅነዖ መፅናዕቲ ምስ ኣካላት ሰብ ግደ እናመኸረ እዩ፡፡

ምክትል ፕሬዚዳንት ስግግር ምርምርን ቴክኖሎጂን እቲ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ምትኬ ሞላ መፅናዕትታት ኣብ መሬት ወሪዶም ዝድለ ለውጢ ንከምፅኡ ምስ ወሃብቲ ኣገልግሎት ኮነ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ምትእስሳር ምፍጣር መፍጣር ይግባእ ኢሎም፡፡

ሎሚ ዕላዊ ዝተገበረ መፅናዕቲ እውን ተምሃሮ ምስ ኢንዱስትሪታት ንምትእስሳር፣ መምህራን ኣብ ኢንዱስትሪታት ክሰርሑ ከምኡ እውን ኢንዱስትሪታት ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ክሰርሑ ንምግባር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ፎረም ምትእስሳር ዩኒቨርሲቲን ኢንዱስትሪን፥ ዝኾነ ዓይነት መፅናዕቲ ነቲ ኢንዱስትሪ ብበዓል ዋንነት ዘሳትፍ ውፅኢቱ ድማ ብሓባር ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእል እዩ ተባሂሉ፡፡

እዚ ድማ ፈታሕቲ ሃገራዊ ፀገም ዝኾኑ መፅናዕትታት ካብ እታወት ፖሊሲ ብተወሳኺ ብቐሊሉ ብቐጥታ ናብ ስራሕ ንምእታው ዕድል ዝህብ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.