Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ኣብያተ ትምህርቲ ብምህናፅ ንዝሰርሕኡ ስራሕቲ መርሃ ገብሪ ምስግና ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሰኔ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ኣብያተ ትምህርቲ ብምህናፅ ንዝሰርሕኡ ስራሕቲ መርሃ ገብሪ ምስግና ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መርሃ ገብሪ ብሚኒስቴር ትምህርቲ ዝተዳለወ አንትኸውን፥ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ዘውዴ፣ ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ፣ ሚኒስትር ትምህርቲ ዶክተር ኢንጅነር ጌታሁን መኩሪያን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም።

ትምህርቲ ተበፃሒ ኣብ ዘይኮነሎም ከባቢታት ኣብያተ ትምህርቲ ብምህናፅ ንዝሰርሕኡ እወንታዊ ስራሕ መስጋና ተዋሂቡወን።

ሚኒስትር ትምህርቲ ዶክተር ኢንጅነር ጌታሁን፥ ኣብ ህንፀት ተውልዲ ቁልፊ ግደ ንዝጫወቱን መፍረይቲ እወንታዊ ፍረ ንዝኾኑን ኣብያተ ትምህርቲ ብምህናፅ ንዝሰርሕኡ እወንታዊ ስራሕ አመስጊኖም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ሽይጣት መፅሓፎም ንህንፀት ኣብያተ ትምህርቲ ነክውዕል ብምውሳኖም እውን አመስጊኖም።

ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ክሳብ ሐዚ ኣስታት 20 ዝኾና ኣብያተ ተምሀርቲ ብምህናፅ ናብ ስራሕ ንክኣትዋ ዝገበራ እንትኾና፥ ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ከይዲ ህንፀት ከምዘለዋ ተገሊፁ።

ብሃብታሙ ተ/ስላሴ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.