Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሃገራት ኢትዮጵያ ናብ ዝጀመረቶ ጉዕዞ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንክሕወሳ ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሃገራትን መዳርግቲ ኣካላትን ኢትዮጵያ ናብ ዝጀመረቶ ጉዕዞ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንክሕወሳ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒሰትር ስዊድንን ኬንያን ብሓባር ስቶኮልም ፕላስ 50 ዝተብሃለ ኮንፈረንስ ምድላወን ንኢዶም።

ኣብቲ ኮንፈረንስ ብቪዲዮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥  ኮንፈረንስ ልምዓት ስቶኮልም ምስ ሓለዋ ከባቢ ዘዋደደ ፈላማይ ኮንረንስ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ድኽነት ብዝምልከት ዝተልዓሉ ሓሳባት ቦታ ተዋሂቡዎም ኩሉ ሰብ ክዘራረበሎም ምኽኣሉ ንኢዶም።

ሃገራት መስ ተፈጥሮ ዘለወን ምትእስሳር ከባቢ ብዘይጎድእን ዓለም ለኸ ሓለዋ ከባቢ መርህታት ብዘኽበረን ክኸውነ ኣለዎ ኢሎም።

ጥዕና ዘለዋ ዓለም ንክትህልወና ብሓባር ደው ክንብል ኣለና እወን ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብ ሓለዋ ከባቢ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝሰርሐት ብምግላፅ፥ ንኣብነት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2019 ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሓቢሮም።

ክሳብ 2022 20 ቢሊየን ፈልሲ ንምትካል ትልሚ ተታሒዙ ልዕሊ ትልሚ ከምዝተፈፀመ ድማ ገሊፆም።

ሃገራትን መዳርግቲ ትካላትን፥ ኢትዮጵያ ናብ ዝጀመረቶ ጉዕዞ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንክሕወሳ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.