Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ በዓል ጥምቀት ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ በዓል ጥምቀት ምኽንያት ብግምባር መልእኽቲ እንኳ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም በዓል ጥምቀት ክእለት ጥራሕ ዘይኮነስ ትሕትና እውን ምርኣይ ከምዝግባእ ዘምህር ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ወናኒት ብዙሕ ባህሊታት፣ ሃይማኖታዊ  ክብሪታትን ታሪኻዊ ሓድጊታትን ሃገር ኢያ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ጥምቀት ካብ ሃይማኖታዊ ረብሕኡ ሓሊፉ ሓደ ንኾርዐሉ ዘይድህሰስ ሓድጊ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

“ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ጎና ጎኒ ምኽባር እቲ በዓል ስራሕቲ ቱሪዝም እንተንሰርሕ መስሕብ ቱሪዝም ሃገርና ዝውስኽን ኢኮኖሚያዊ ኣበርክትኡ ኣዚዩ ጉሉህ ከምዝኸውን ኣይጠራጠርን” ክብሉ ገሊፆም።

“እንኳ ንበዓል ከተራን ጥምቀትን ኣብፀሐኩም” ክብሉ እውን መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ሙሉእ ትሕዝቶ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

ፈጣሪ ነቀዲ ሰብ ዘለዎ ፍቕሪ ካብ ዘርአየሎም ታሪኻት ሓደ ብኢድ ዮሃንስ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ኣብ ዝተጠቐመሉ እዋን ኢዩ፡፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ እዋን ሰለስተ ዘደንቑ ነገራት ብተግባር ኣረኢዩና ኢዩ፡፡ ፍቕሩ፣ ትሕትንኡን ክብሩን።

ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፣ ካብ ድንግል ማርያም ተወሊዱ፣ ሰብ ኮይኑ ብምምልላስ መለክዒ ዘይብሉ ፍቕሩ ገሊፁልና ኢዩ፡፡ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝንገር፣ ዝትረኽን ዝዝረብን ኣይኮነን፡፡ ዝግለፅን ዝረአን እምበር፡፡ ነዚ ኢዩ ድማ እዚ እዋን ናይ ምግላፅ ወቕቲ ዝበሃል፡፡ ሰብ ፍቕሩ ንምዝራብ እንተይኮነስ ከርኢ ኢዩ ዘለዎ፡፡ ዝግለፅ ፍቕሪ ፍቕሪ ዝእግዶ የለን፡፡ ፍቕሪ ናይ ኣፍቃሪኡ እምበር ናይ ተፈቃሪ ባህሪ ኣይደሊን፡፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፈተወና ንኽፍቶ ዘብቅዕ ነገር ሰለዘለና ዘይኮነስ ሱቕ ኢሉ ኢዩ፡፡ ፍቕሩ ኣብ ቅድመ ኩነት ዝተመርኮሰ ዘይኮነስ ፍፁም ፍቕሪ ኢዩ።

ፍቕሪ ክርስቶስ ኣብ ናትና ምላሽ ዝተመስረተ እውን ኣይኮነን፡፡ ንፍተዎ ኣይንፍተዎ፤ ነመስግኖ ኣይነመስግኖ፤ ንንኣዶ ኣይንንኣዶ፤ ሽሙን ንፀውዓዮ ኣይንፀውዓዮ፤ ንሱ ነዓና ካብ ምፍታው ይልወጥን፡፡ ካልኦትና ንኹሉ ኣፍቀር ኢና።

ክርስቶስ ግን ኣፍቃሪ ዘይኮነስ ባዕሉ ፍቕሪ ኢዩ፡፡ እዚ ፍቕሪ ኢዩ ተቀሊዑ ዝረኣናዮ፡፡ ኢትዮጵያ ሎሚ ዝግለፅ ፍቕሪ የድሊያ፡፡ ኢትዮጵያ ትደልዮ ፍቕሪ ኣብ ቅድመ ኩነት ዝተመርኮሰ ኣይኮነን።

ኢትዮጵያ ትደልዮ ግዘን ኩነታትን ዘይቕይሩዎ ዓይነት ፍቕሪ ኢዩ፡፡ ሃገርና ናይ ብሓቂ ንፈቱ እንተኮይንና ዝኾነ ዓይነት ምላሽ ክልውጠና ኣይግባእን፡፡ ስምና ብኅብሪ ይለዓል ኣይለዓል፤ ስራሕና ሰብ ይፍለጦ ኣይፍለጦ፤ ሰባት ይንኣዱና ኣይንኣዱና፤ ንመስገን ኣይንመስገን፤ ዘሕጉስ ነገር የሃሉ ኣየሃሉ፤ ንሃገርና ዘለና ፍቕሪ ክልወጥ ኣይግባእን።

ካሊእ ክርስቶስ ዘምሀረና ትሕትና ኢዩ፡ ነዓና ንምድሓን ዝወረደ ካብ ሰማየ ሰማያት ኢዩ፤ ዝኾኘ ይኹን ርኢዎን በፂሑዎን ካብ ዘይፈልጥ መንበሩ፡፡ ኣብ ዕለተ ጥምቀቱ ዝተረኸበ ግን ኣብ ሞንጎ ማያት ኢዩ፡፡ ፍጡር ዮሃንስ ንኸጥምቖ ፈቒዱ፣ ኣብ ሞንጎ ሰባት ንምዃን ፈቲዩ ኢዩ ተራኢዩ፡፡ ዘርአየና ክእለቱ ዘይኮነስ ትሕትንኡ ኢዩ።

ዝገለፀልና ብራኸ ዘይኮነስ ምውራዱ ኢዩ፡፡ ቴስዓን ትሽዓተን ነገዳት መላእኽቲ ሓዲጉ ዓሳታት ኣብ ዝርከቡሉ ማይ ተረኺቡ፡፡ ከምዚ ዝበለ ትሕትና ከመይ ዝበለ ትሕትና ኢዩ፡፡ ንዝቐደሙ ሰባት ከኣላይነቱ ገሊፁ ኣደንጊፁዎም ነይሩ ኢዩ፡፡ ነዓና ግን ትሕትንኡ ገሊፁ ኣደኒቑና፡፡ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ዓለም እንትፍጠር ክእለቱ፣ ንዓለም እንተድሕን ድማ ትሕትንኡ ገሊፁ፡፡ ንሕና እውን ክእለት ጥራሕ ዘይኮነስ ትሕትና እውን ክነርኢ ከምዝግባእ ዘምህር ኢዩ።

ትሕትና ምልክት ድኽመት ገይሮም ዘሓስቡ፣ ትዕግስቲ ከም ፍርሒ ዝቖፅሩ ሰባት ከምዝተሰሓሓቱ ምስክርና ክርስቶስ ኢዩ፡፡ ምልክት ሓያልነቱ ካብ ፈኸራ ንላዕሊ ትሕትና፣ ካብ ሕነ ምፍዳይ ይቕሬታ ከምዝኾነ ክርስቶስ ኣምሂሩና ኢዩ።

ፅልኢ ብፍቕሪ ምልዋጥ፣ ሕነ ብይቕሬታ ምፍሻል፣ ጎንፂ ብዕርቂ ምዕፃው ግቡእ ምዃኑ ኣብ ጥምቀቱ ብምእማንና ዝፈለጥናዮ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኢትዮጵያ “ኢትዮጵያ” ገይሩ ዘፅናሓ ክብሪ ንሱ ኢዩ።

ሃገርና ነኽብራ ዘይግበር ብምግባር ኢዩ፡፡ ኣብ ሕጊን ናብራን ልምዲታትና ክግበሩ ዝኽእሉ ተለምዶኣዊ ነገራት ምግባር፣ ንሃገር ዘለና ክብሪ ኣይግለፅን፡፡ ክብሪ ትሕት ክብል ይድለ፡፡ ምኽባር ብህሊናዊ ሕቶ ዘይግበር ምግባር የሓትት፡፡ ኣዳም ኣጥፊኡ ኢዩ፡፡ ብጥፍኣቱ ድማ ሞት ተፈሪዱዎ ኢዩ፡፡ እዚ ናይ ኣዳም መከራ ንምሕዳግ ብዙሓት ኣላሕምን ኣባጊዕን መስዋእቲ ኮይነን ኢየን፡፡ ብዙሓት ኣቦታት መስዋእቲ ኣቕሪቦም ኢዮም። ግን ኣይኮነን፡፡ ልሙድን ሕጊ ብዝፈቐቐዶን ዝጓዓዝ ክሳብኡ ኢዩ ነይሩ፡፡ ክርስቶስ ግን ዘይግበር ገይሩ፣ ንባዕሉ ብምውራድ ንኣዳም ኣኽቢሩ ኣድሒኑዎ።

ክርስቶስ ነዓና ንምድሓን ቅድሚ ምውላዱ ብሓጥያት ዝተሸነፈ ኣዳም ክዳን ሓጥያቱ ካብ ልዕሊኡ ከልዕለሉ ዝፈተነ ኣይነበረን።

ክርስቶስ ብዘይ ቅድመ ኩነት ኣርዑት ሓጥያት ኣዳም ተሸኪሙ ካብ መከራ ኣድሒኑዎ፤ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ መከራኣ ወሲዱ ዝሽከመላ፣ ስቓያ ተቐቢሉ ዝሳቐየላ፣ ንሱ ደኒኑ ዘቕናዓ ሰብ የድሊያ።

ንሕና መከራኣ እንተይተቐበልና ንኢትዮጵያና ምቹው፣ ምውራዳ እንተይረኣና ንብራኸ ሃገርና፣ እቲ ፀልማት እንተይጎብነና ንውሉድ ወለዶና ብርሃን ከምዘይመፅእ ክንፈልጥ ኣለና፡፡ እዚ እንትንገብር ከምዝሓሳብናዮ ሽልማትን መስጋናን፣ ናእዳን ክብሪን ዘይክንረክብ ንኽእል ኢና፡፡ እዚ ማለት ግን ስራሕና ተሓቢኡ ክተርፍ ኢዩ ማለት ኣይኮነን።

ዮሃንስ መስኪሩ፤ መንፈስ ቅዱስ ብኣምሳል ርግቢ ወሪዱ መስከረ፤ ኣቦ ኣብ ደበና ኮይኑ ብምዝራብ መስከረ። ‹ኣነ› ካብ ዝብል ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማም ዘውፅአና ትሕትና ኢዩ፡፡ ካብ ትዕቢትን ምቅድዳም ዓወትን ከውፀአና ዝኽእል ትሕትና ኢዩ።

ንዑ ንኢትዮጵያ ክንብል ትሕት ንበል፤ ንዑ ንድኻ ወገንና ክንብል ትሕት ንበል፤ ንዑ ንዝተበደለ ህዝብና ክንብል ትሕት ንበል፤ ንዑ ኣብ ውሽጢ ድኽነት ንዘሎ ህዝብና ክንብል ትሕት ንበል፡፡ ስራሕና ሃገር ኣብ ምድሓን እምበር ብትዕቢት ፀላኢና ኣይንለካዓዮ።

ካብ ብራኸና ኣይንውረድ፤ ዝከኣል ሕነ ምፍዳይ ገዲፍና ዘይከኣል ይቕሬታ ንዘምር፤ ስምዒትና ነርሕቕ፤ በደል ይቕረ ንበል፤ ጉድኣትና ንሸከም፤ ኣመልና ንግራሕ፤ ካገር ንምኽባር ኢልና ክብርና ንሰውእ፤፡፡ ፍቕርና፣ ትሕትናናን ክብርናን ንሃገርናን ንወገንናን ነርኢ፡፡ ንኢትዮጵያ ክንብል ዘይረአ ነርኢ፤ ዘይግበር ንግበር፡ ብዝተለመደ መገዲ ጥራሕ ከይድና ሃገርና ከምዘይነድሕና ንገንዘብ። ካሊእ በዓል ጥምቀት ነኽብረሉ መገዲ ሃገርና ኣብ ዓለም ፍልይ ኢላ ንኽትረአ ዘኽእላ ምዃኑ ልቢ ንበል፡፡ ጥምቀት እንትመፅ ኢትዮጵያ ትደምቕ ኢያ።

እቲ በዓል ንምዕዛብ ካብ መላእ ዓለም ዝውሕዙ ኣመንቲን በፃሕቲን ቁፅሮም ቀሊል ኣይኮነን፡፡ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሃገሮም ዝኣተዉ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ብሓደ ወገን ሃገሮም ናፊቖምዎ ዝመፅኡ ሓደ ኣብ ክብረ በዓላት ዝረአ ማሕበራዊ ምትሕስሳብ ኢዩ።

ኢትዮጵያ ወናኒት ብዙሕ ባህሊታት፣ ሃይማኖታዊ  ክብሪታትን ታሪኻዊ ሓድጊታትን ሃገር ኢያ፡፡ ጥምቀት ካብ ሃይማኖታዊ ረብሕኡ ሓሊፉ ሓደ ንኾርዐሉ ዘይድህሰስ ሓድጊ ኢዩ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ጎና ጎኒ ምኽባር እቲ በዓል ስራሕቲ ቱሪዝም እንተንሰርሕ መስሕብ ቱሪዝም ሃገርና ዝውስኽን ኢኮኖሚያዊ ኣበርክትኡ ኣዚዩ ጉሉህ ከምዝኸውን ኣይጠራጠርን።

ደጊመ እንኳ ንበዓል ከተራን ጥምቀትን ኣብፀሐኩም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.