Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዕላዊ ዑደት ደቡብ ኣፍሪካ ዛዚሞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሶም

አዲስ አበባ፣ ጥር 4፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝነበሮም ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዛዚሞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሶም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ ኣብ ክልተኣዊን ዲፕሎማሲ ዜጋታትን ኣድሂቦም ዕዉት ስራሕ ምስረሖም ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ገሊፁ።

ዶክተር ኣቢይ ኣብ ፃንሒቶም፥ ምስ ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎሳን ኣብታ ሃገር ምስ ዝነብሩ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያንን ዘተ ምክያዶም ይፍለጥ።

ፍልፍል፦ ግዜኢ

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.