Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ኲናት  ኣብ ግንባር ኮይኖም ምምርሖም  ጀግንነት ኣቦታትናን መርኣያ ስምዒት ሃገራውነት ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ኲናት  ኣብ ግንባር ኮይኖም ምምርሖም  ጀግንነት ኣቦታትናን ልዑል ስምዒት ሃገራውነትን ቀፃልነት ከምዘለዎ ዘረጋገፀ ምዃኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕተኛታት መንግስቲ ገሊፆም።

ሓሊፊ ቤት ፅሕፈት  ኮሙኒኬሽን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ዮናስ ዘውዴን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት  ኮሙኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሃይሉ አዱኛን ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ናብ ግንባር ምዝማቶም ካብቲ ሰራዊት ብዝሓለፈ ኣብ ካልኦት ዜጋታት ዝፈጠሮ ምንቕቃሕ ልዑል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣይተ ዮናስ ከምዝበልዎ፥ ቐደም መራሕቲ ኢትዮጵያ ሃገሮም ሓደጋ ህልውና እንተጋጥማ መራሕቲ ኣብ ቤተመንግስቲ ኮፍ ካብ ምባል ድንኳኖም ብምሓዝ ነቲ ሰራዊት ብምምራሕ  ካብ ቦታ ናብ ቦታ ሓቢሮም እናተዘዋወሩ  ከም ዝነበሩ ኣዘኻኺሮም።

ምዝማት ቐዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ኣፍሪካ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ንዓለም ዘነቓቕሐ እዩ ዝበሉ ኣይተ ዮናስ፥ ሃገሮም ንምምራሕ  ጥራይ ዘይኮነስ  ንሃገሮም መስዋእቲ ንክኾኑ ድልው ምዃኖም ዘርኣዩሉን ሃገር ካብ ዝኾነ ይኹን ነገር ከምትበልፅ ኣስተምህሮ ዝሃቡሉ ምዃኑ ሓቢሮም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት  ኮሙኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሃይሉ ኣዱኛ ብግደኦም፥ ምስ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተሰለፉ ሓይልታት ኢኮኖሚያዊ ሓይሎም ዝጠንከረን፣ ኣብ ሚድያታት ልዑል ፀቕጢ ምፍጣር ዝኽእሉ፣ ሚዛን ፖለቲካ ዓለም ክዝውሩ ዝፀንሑ ዝነበሩን ቅደውሚ ሐዚ እውን ንካልኦት ሃገራት ብሽርሒ ዘፍረሱ ምዃኖም ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ ፅዕንቶ እዞም ሓይልታት ብዓወት ንምዝዛም ምዝማት ቐዳማይ ሚኒስተር ከምኡ ነቲ ሰራዊት ኣብ ቀረባ ኾይኖም ነምምራሕ ዓብዪ እጃም ከምዘለዎ ኣብሪሆም።

እቲ ኩነታት ኲናት ውክልና ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ነቲ ቃልሲ ብዓወት ንምዝዛም ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እቶም ቐዳማይ ሚኒስተር ኣብ ቕድሚት ኮይኖም ምምርሖም ዓወታት ዝተረኸብሉን ምዕራባዊያን ከም ዝሓሰብዎ ሓይሊ ፀላኢ ናብ አዲስ አበባ ዘይኮነስ ናብ መቐለ እናሃደመ ከም ዝርከብን ኣልዒሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ተለኣኣኺ ዝኾነ መንግስቲ ንምጥያሽ እናሰርሑ ዝነበሩ ምዕራባዊያን እውን ዝገብሩዎ ኢድ ኣእታውነት ካብ ኢትዮጵያውያን ንላዕሊ  ሓይሊ ከምዘይብሉ ግንዛበ ዝወሰድሉ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.