Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ “እንስራ” ኣብ ዝበሃል ማእኸል ስራሕቲ ኣይኖ ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘሎ “እንስራ” ኣብ ዝበሃል ማእኸል ስራሕቲ ኣይኖ ዑደት ኣካይዶም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፅ ከምዝበልዎ፥ ኣብ ማእኸል ንዝተዋፈራ ኣዴታት አንኳዕ ደስ በለኪን ኢሎም።

“ፍረፃማኽን ብምርኣየይ ደስ ኢሉኒ” ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ገሊፆም።

ህንፀት እቲ ማእኸል ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ዝተዛዘመ እንትኸውን፥ ኣብ ዝሓለፈ ዕለተ ቀዳም ከምዝተመረቐ ይዝከር።

ኣብቲ ማእኸል ዝተዋፈራ 1 ሺሕ ኣዴታት መፍረዪን መሸጢን ቦታን ዝተማልአ ናውቲን ዝርከበሉ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.