Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ካብ ሽይጣት መፅሓፍ “መደመር” ዝተረኸበ 110 ሚሊየን ብር ንህንፀት ኣብያተ ትምህርቲ ኣረኪቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ሽይጣት መፅሓፍ “መደመር” ዝተረኸበ 110 ሚሊየን ብር ንህንፀት ኣብያተ ትምህርቲ ኣረኪቦም።

እቲ ገንዘብ ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ንዝህነፁ ኣብያተ ትምህርቲ ዘረከቡ እንትኾኑ፥  ቀዳማዊት እመቤት ወይዘሮ ዝናሽ ታያቸው እቲ ገንዘብ ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ተቐቢለን።

መፅሓፍ “መደመር” ኣብ ቀዳማይ ገፁ እቲ እቶት ንህንፀት ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝውዕል ኣቐዲሙ ምግላፁ ይዝከር።

ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ብብርኪ ሃገር ክሳብ ሐዚ 20 ኣብያተ ትምህርቲ ዘህነፀ እንትኸውን፥ ካብዚኦም እቶም ሸውዓተ ሙሉእ ብሙሉእ ዝተዛዘሙ እንትኾኑ 13 ድማ ህንፀቶም 90 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐን ኣብ ዝቕፅል ዘበነ ትምህርቲ ናብ ስራሕ ክኣትዉ ይኽእሉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎን ተገሊፁ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሽይጣት መፅሓፍ “መደመር” ኣብ ዘረከብሉ እዋን፥ ካብ ሽይጣት ዝተረኸበ ገንዘብ መሊስና ናብ ልምዓት ህዝቢ እንትነውዕል ልዑል ፍናን ይስመዐና ኢሎም።

ምዝራብ ጥራሕ ዘይኮነስ ዝተዛረብናዮ ተግባራዊ ምግባር ከምውልቀ ሰብ ይኹን ሃገር እናተለመደ ከምዝመፅአ እውን ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ካብ ሽይጣት መፅሓፍ “መደመር” ዝርከብ ገንዘብ ንውልቀ ሰብ፣ ፓርቲ ይኹን መንግስቲ ኣይውዕልን ኢሎም።

እቲ ገንዘብ 100 ሚኢታዊ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ንዘሎ ፀገም ማሕበረሰብ ንምቕራፍ ከምዝውዕል ድማ ኣረጋጊፆም።

ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ብግድኡ፥ እቲ ዝተረኸበ ገንዘብ ክሳብ ሐዚ ካብ ዝተሃነፁ ኣብያተ ትምህርቲ ወፃእ ተወሳኺ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ክልልላት ንምህናፅ ከምዝውዕል ሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.