Fana: At a Speed of Life!

ቀፃሊ ዕለተ ሰኑይ ወፂኹም ድምፅኹም ሃቡ-ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምርጫን ሓምለዋይ ኣሰርን ዕላዊ ንክኸውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ቀፃሊ ሰሙን ኢትዮጵያውያን ኣብ መበል ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ድምፅና ክንህብ ኢና፤ እዚ ምርጫ ኣብዛ ሃገር ንመፈለምታ እዋን ዝኸውን ናፃን ፍትሓዊን ምርጫ ንክኸውን ተስፋ ንገብር።

መላእ ኢትዮጵያውያን ዴሞክራሲያዊ መሰልና ንምኽባር ናብቲ ምርጫ ኣብ እንኸደሉ እዋን እቲ መዓልቲ ናይ ዜግነትና ግዴታታት ብምውፃእ ማህተም ትውልዲ ንምንባር ንክንጥቀመሉ እሓትት ኢሎም።

ቀፃሊ ዕለተ ሰኑይ ወፂኹም ድምፅኹም ሃቡ፤ ከምኡውን ሓምለዋይ ኣሰር ኣንብሩ ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኢትዮጵያውያን ብሓባር ኮይንና እቲ ዕለት ታሪኻዊ ናይ ዴሞክራሲ መዓልቲ ንግበሮ ብምባል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.