Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ መበል 1 ሺሕን 495 በዓለ ልደት ነቢዩ መሓመድ ኣመልኪቶም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ መበል 1 ሺሕን 495 በዓለ ልደት ነቢዩ መሓመድ ኣመልኪቶም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም ከምዝበሉዎ፥ “መበል 1 ሺሕን 495 በዓል ልደት ነቢዩ መሓመድ ምስ ሙስሊም ወገናትና እንትነኽብር ዳግም ልደት ኢትዮጵያ እነሓስበሉ ኢዩ”።

ኢትዮጵያ እምነታት እስልምና፣ ክርስትናን ካልኦት ነባር እምነተታትን ዝርከበላ ሃገር ስለዝኾነት፥ ህዝባ ብእምነቶም ኣይደራደሩን፣ ብምዕባለኦም ኣይደራደሩን፤ ብናፅነቶም ቀልዲ ኣይፈልጡን፤ እምነት ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን ህይወት ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ በዓል መውሊድ ብቢሊየናት ዝቑፀሩ ኣብ ዓለም ዝርከቡ ኣመንቲ እስልምናን ብሚሊየናት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን ሙስሊማትን ብድምቀት ከምዝኽበር እውን ኣብሪሆም።

ቅድሚ ኮቪድ-19 ከምዝነበረ እዋን ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተዘዋወሩ ምስ ዘመድ ኣዝማድ ኮይኖም ብብዝሒ እናተኣከቡ ዘኽብሩዎ በዓል ዋላ ኣይኹን እመበር፥ እቲ በዓል ዓቢዪ በዓል ስለዝኾነ ኣብ መሳጊድ፣ መድረሳታትን መጅሊሳትን ብፍቕሪን ብድምቀትን ከምዝኽበር ከምኡ እውን ስራሕቲ ነቢዩ መሓመድ ከምዝዝከር ገሊፆም።

“በዓል መውሊድ ምስ ሙስሊም ወገናትና እንትነኽብር ሃገርና ኢትጵያ ፈተናታት ወራር ዕስለ ኣምበጣ፣ ሓደጋ ውሕጅ፣ ኮቪድ-19ን ካልኦት ፈተናታትን ከምዘንፀላለዉና እናዘከርና ኢዩ” እውን ኢሎም።

እቲ በዓ እንትነኽብር ዝተፀገሙ ወገናትና በዓል መውሊድ ንኽኽብሩ ዘለና ክነካፍሎም ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.