Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ብስልኪ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ቀዳማይሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ብስልኪ ተዛቲዮም።

ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ዘተኮረ ዘተ ከምዝነበረ ቀዳማይ መኒስትር ኔታንያሁ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌሰቡክ ገፆም ፅሒፎም።

ቀዳማይ ሚነሲትር ኣቢይ፥ እስራኤል ምስ ሕቡራት ዒማራት ዓረብን ባህሬንን ዝበፅሐቶ ታሪኻዊ ስምምዕ ብዝምልከት ንቀዳማይ ሚኒስትር መልእኽቲ እንዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም።

እቲ ዝተገበረ ታሪኻዊ ስምምዕ ንወለዶ ዘለዎ ልዑል ረብሓ ብዘምልከት ዶክተር ኣቢይ ኣብቲ እዋን ዝተ ከምዝገለፁሎም እወን ኣብ መልእኽቶም ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ በተ እስራኤላውያን ናብ እስራኤል ዝምለሱሉ ኩነታት ኣብ ዝምልከት ምይይጥ ምግባሮም እውን ተሓቢሩ።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዝህልወን ምትሕብባር፣ ዝህልወን ኩለመዳይ ምትሕብባርን እስራኤል ንኢትዮጵያ ተርገብሮ ሓገዝ ክተጠናኽረሉ ኣብ ትኽእለሉ ጉዳይ ተዛቲዮም ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.