Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ትሰርሕ መኪና ብህያብ ተበርኪቱሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ  ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ትሰርሕ መኪና ካብ ኣካል ኩባኒያ ሃዩንዳይ ዝኾነ ማራቶን ሞተርስ ብህያብ ተበርኪቱሎም።

እታ መኪና ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተገጣጠመት ፈላመይቲ መኪና ኢያ ተባሂሉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ንኩባኒያ ሃዩንዳይ ብመሰረት ዘቕረቡዎ ሕቶ ኣብ ኢትዮጵያ ስራሕቲ ምግጥጣም ኤሌክትሪክ መኪና ተጀሚሩ ኢዩ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሙሉእ ብሙሉእ ብባትሪ ትሰርሕን ካብ ምፍናው ካርቦን ዘይተስዕብ መኪና ኣብ ዝተረከቡሉ እዋን፥ ከምዚኦም ዝበሉ መዋእለ ንዋይ ዘምፅኡ ስራሕቲ ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምጥያሽን ሓምለዋይ ልምዓት ንምጥንኻርን ልዑል ሓገዝ ከምዝገብሩ ተዛሪቦም።

እታ መኪና ምምላእ ሓይሊ እንተይኣድለየ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ባትሪ ክትመልእ ከምትኽእል እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ፅሒፎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.