Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ ኣብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ዝነበሮም ዑደት ዛዚሞም 135 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብመሓዝ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

አዲስ አበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ዝነበሮም ዑደት ብምዝዛም ሰነድ ጉዕዞ ስኢኖም ኣብ ዝኸፍአ ፀገም ዝነበሩ 135 ኢትዮጵያውያን ሒዞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።

እቶም ኢትዮጵያውያን ሰነድ ጉዕዞ ስለዘይብሎም ካብ ሃገር ከይወፅኡ ተኸልኪሎም ዝፀንሑ ኢዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ምስ መንግስቲ እታ ሃገር ብመሰረት ዝገበሩዎ ስምምዕነት ኢዩ እቶም እትዮጵያውያን ክምለሱ ዝኸኣሉ።

ኣብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ ቤት ማእሰርቲን መዓስከርን ዝነበሩ ከምኡ እውን ብዘይስሩዕ መገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ዜጋታት ብምሕረት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝተፈቐደ እንትኸውን፥ ኣብታ ሃገር ክነብሩ ዝደልዩ ኢትዮጵያውያን ድማ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንኽወሃቦም ተፈቑዱሎም ኢዩ።

እቶም ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ዝመፅኡ 135 ኢትዮጵያውያን፥ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝደለዩ ምዃኖም እውን ተገሊፁ።

እቶም ቀዳማይ መኒስትር ኣብ ፃንሒቶም፥ ምስ ወራሲ ዓራት ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ሼኽ መሓመድ ቢን ኣል ነሀን ተዛትዮም ኢዮም።

ኣብቲ ዝገበሩዎ ዘተ ድማ ንኽልቲአን ሃገራት ተረብሕቲ ኣብ ዝግሩ ክልተኣዊ ዛዕባታት ኣድሂቦም ተመያይጦም ኢዮም።

ካብ ክልተኣዊ ዛዕባ ብተወሳኺ ከባቢያዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት ኣልዒሎም ከምዝተዛተዩ እውን ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ኣብ ዝገበሩዎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ፥ ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ብ10 ኣሽሓት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን ሕጋዊ ንምግባር ስምምዕነት ገይሮም ኢዮም።

ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም ኢትዮጵያውያን ዘለዉዎም ፀገማት ምፍታሕ ኣብዝካኣለሉ ኩነታት ብዝምልከት እውን ምስ መንግስቲ እታሃገር ልዝብ ምግባሮም ይፍለጥ።

ብኣልአዛር ታደለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.