Fana: At a Speed of Life!

በዓል መዚ ነዳዲን ኢነርጂን፥ ዕዳጋ ነዳዲ ብኹለን ባንኪታት ከምዝጅመር ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ ነዳዲን ኢነርጂን ኣብ ዝተወሰነ ኣማራፅታት ከፍሊት ዝነበረ ዕዳጋ ነዳዲ ኣብ ቀፃሊ ብኹለን ባንኪታት ከምዝጅመር ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን እቲ በዓል መዚ በቀለች ኩማ፥ ምስ ዕዳጋ ነዳዲ ዝዛመድ ካብ ዓማዊልን ካልኦት ባንኪታትን ዝለዓሉ ቅርታታት ንምፍታሕ እቲ ኣገልግሎት ንምስፋሕ ኣድላዪ ኢዩ ኢለን።

ብመሰረት እዚ ብባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ፣ ባንኪ ሕብረት ስራሕ ኦሮሚያን ቴሌ ብርን አንትግበር ዝነበረ ዕዳጋ ነዳዲ ዲጂታል ኣማራፅታት ክፍሊት ብምስፋሕ ካልኦት ተወሰኽቲ ባንኪታት ነክሳተፋ ክግበር ኢዩ ከብላ ገሊፀን።

እቲ ኣሰራርሓ ተግባራዊ ምግባሩ ብዝጥዕም ኣማራፅታት ኣገልግሎት ንክርከብ ዘእል ኢዩ ኢለን።

እቲ ኣሰራርሓ ንምጅማር ረቂቕ ይዳሎ ከምዘሎ በምግላፅ፥ እቲ ስርዓት ኣብ ቀረባ እዋን ተዛዚሙ ናብ ተግባር ከምዝእቶ ኣረጋጊፀን።

ብመሳፍንት እያዩ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.