Fana: At a Speed of Life!

በዓል ስልጣን ውድድር ንግዲ፣ ሓለዋ ሸመትቲን ፍርያት ዕዳጋን ምስ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ተዋሂዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)በዓል ስልጣን ውድድር ንግዲ፣ ሓለዋ ሸመትቲን ፍርያት ዕዳጋን ምስ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ተዋሂዶም።

ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣይተ ገብረመስቀል ጫላ፥ እቶም ትካላት ምስቲ ሚኒስቴር ምወሃዶም ስራሕ ንምቅልጣፍ ዘበርክቶ ኣስተዋፅኦ ዝለዓለ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ስልጣንን ተግባራን ኣፈፀምቲ ኣካላት መንግስቲ ፌዴራል ንምውሳን መስከረም 2014 ብዝወፅአ ኣዋጅ መሰረት ብምግባር ንሚኒስቴር ንግዲ ተፀዋዕቲ ዝነበሩ በዓል ስልጣን ውድድር ንግዲን ሓለዋ ሸመትቲን ፍርያት ዕዳጋን ምስ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ምውሃዶም ቅልጡፍ ኣገልግሎት ከምዝሕግዝ ተሓቢሩ፡፡

ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን ክልቲኦም ትካላት ኣብ ዝተዛተዩሉ እዋን ምውሃድ እተን ትካላት ኣብ ትሕቲኦም ዝኾነ ዓይነት ዕንቅፋት ከምዘይፈጥርን ዝተሳለጠ ኣገልግሎት ብመሃብ ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ንምምዝጋብ ከምዝሕግዝ ምግላፁ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.