Fana: At a Speed of Life!

በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ብሰላም ተኸቢሩ ምዝዛሙ ዕዙፍ ዓወት ኢዩ- ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ብሰላም ተኸቢሩ ምዝዛሙ ዕዙፍ ዓወት ኢዩ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም።

ኣይተ ሽመልስ፥ ክብሩ ሓሊዩ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያዊያን ሓድነትን ሕውነትን ብምጥንኻር ደሚቑ ንክኽበር ንዝሓገዘና ፈጣሪ ምስጋና አቕርብ ኢሎም።

እቲ በዓል ብሰላም ንክዛዘም ርኡይ ግደ ንዝነበሮም ኣካላት እውን አመስጊኖም።

እቲ በዓል ከይተበረዘ ክብሩ ሓሊዩ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ንክሸጋገር ንዝገበርኩም፣ ሎሚ እውን ብድምቀት ንክኽበር ንዝገበርኩም ኣባገዳታትን ሃደ ስንቄታትን “ገለቱማ” ክብለኩም እፈቱ ኢሎም።

ንነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ብሙሉኦም በቢኣንፈቱ ኣብ ገዛኹም ዘሎ ሺዝኩም ንኣሕዋትኩም ብዝለዓለ ክብሪ ብምቕባል ብምትእንጋድ ንዘርኣኽምዎ ልዑል ፍቕሪ ምስጋናይ ወሰን ኣይብሉን ክብሉ ገሊፆም።

ንኣካላት ፀፅታ ፌዴራል፣ ኦሮሚያን ኣዲስ ኣበባን አመስጊኖም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%

5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.