Fana: At a Speed of Life!

በዓል ጥምቀት ተግባራት ምክልኻል ኮቪድ-19 ተግባራዊ ብምግባር ክኽበር ከምዝግባእ  ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ምእመናን በዓል ጥምቀት እንትኽብሩ ተግባራት ምክልኻል ኮቪድ-19 ተግባራዊ ብምግባር ክኽውን ከምዝግባእ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲባ።

በዓል ጥምቀት ብመላእ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊን ባህላውን ስነስርዓታት 10ን 11ን ጥሪ ከምዝኽበር ይፍለጥ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ፍሉይ ቤት ፅሕፈትን ጉዳያት ወፃኢን ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ዶክተር አቡነ አረጋዊ፥ ምእመናን በዓል ጥምቀት እንትኽብሩ ተግባራት ምክልኻል ኮቪድ-19 ተግባራዊ ብምግባር ክኽውን ከምዝግባእ ገሊፆም።

ገዳማትን ኣድባራትን በዓል ጥምቀት ብብሰላምን ብዝደመቐን ኩነታት ንከኽብሩ ዘኽእል ኩሉ ዓይነት ምድላዋት ከምዝተገበረ እውን ተዛሪቦም።

ኣብ በዓል ጥምቀት ዲፕሎማታት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ቱሪስታትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣካላትን ክርከቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብፁዕ ዶክተር ኣቡነ አረጋዊ ንመላእ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና እቲ በዓል ናይ ሰላም፣ ጥዕናን ደስታን ንክኾነሎም ተመኒዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.