Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ 9 ዓፂደን ዘኺዳ ማሽናት ንዓማዊሉ ኣረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ካብ ባንኪ ልምዓት ጀርመን ብዝረኸቦ ሓገዝ ገንዘብ ትሽዓተ ዓፂደን ዘኺዳ ማሽናት ንሊዝ ፋይናንስ ዓማዊሉ ኣረኪቡ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ÷ ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ዶክተር ዮሃንስ ኣያሌውን ኣብ ባንኪ ልምዓት ጀርመን ዳይሬክተር ኢትዮጵያ ዲያና ሄድሪክን ተረኺቦም።

እቲ ባንኪ ነተን ማሽናት ኣረኪቡ ዘሎ ኣብ ጨናፍርን ዲስትሪክትን ንዝርከቡ ሊዝ ፋይናንስ ዓማዊሉ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እተን ማሽናት ብኽነት ንምንካይን ዘበናዊ ሕርሻ ንምስፍሕፋሕን ዘለወን ግደ ርኡይ ከምዝኾነ ተመልኪቱ፡፡

ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ 52 ማሽናት ብኣርባዕተ ዙር ንዓማዊሉ ምቕራቡ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ተሓቢሩ፡፡

ብፍቅርተ ከበደ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.