Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ንግዲ ናይ ባዕልቶም ዘይኮነ ገንዘብ ዝወሰዱ ውልቀ ሰባት ክሳብ ቀዳም ንክምልሱ ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ናይ ባዕልቶም ዘይኮነ ገንዘብ ዝወሰዱ ወይ ናብ ሒሳቦም ዘመሓላለፉ ውልቀ ሰባት ክሳብ ቀዳም ንክምልሱ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ባንኪ ምስ ዘጋጠሞ ፀገም ሲስተም ተዛሞዱ ካብ መንጎ ናይ ባዕልቶም ዘይኮነ ገንዘብ ዝወሰዱ ወይ ናብ ሒሳቦም ዘመሓላለፉ ውልቀ ሰባት እቶም ኣብዝሓ እቲ ገንዘብ ይምልሱ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

ገንዘብ ዘይመለሱ ውልቀ ሰባት ክሳብ ቀዳም ንክምልሱ ናይ መወዳእታ ፃውዒት ዘመሓላለፈ እቲ ባንኪ፥ እዚ ንዘይፍፅሙ ድማ ጥንክር ዝበለ ስጉምቲ ንምውሳድ ከምዝግደድ ኣፍሊጡ።

ምስ ኣካላት ሕጊ ብምትሕብባር ሽም ዝርዝር እቶም ኣካላት ዕላዊ ብምግባር ቀፃሊ ሕጋዊ ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝቕፅል ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.