Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ስሩዕ ኣኼብኡ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰኔ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ መበል 16 ስሩዕ ኣኼብኡ ሎሚ መዓልቲ የሳልጥ ኣሎ።

እቲ ኣኼባ ኣብ ኣዳራሽ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ዝካየድ ዘሎ እንትኸውን፥ ረቂቕ በጀት መንግስቲ ፌዴራል 2013 ዓ.ም ብዝምልከት ብምዝታይ ንቀዋሚ ኮሚቴ ምምራሕ ወሲኹ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ከምዝዛተ ተገሊፁ።

ከምኡ እውን ምንዋሕ መበል ራብዓይ ናይ ህዝብን ኣባይቲን ቆፀራ ኣመልኪቱ ብባይቶ ወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ናይ ሓባር ኣኼባ ንምቕራብ ዝተዘጋጀወ ናይ ውሳነ ሓሳብ መርሚሩ ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ቀዋሚ ኮሚቴ እቶት፣ በጀትን ፋይናንስን ናይ መንግስቲ ናይ ልምዓት ትካላት ናብ ናይ ውልቀ ንምዝዋር ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ብዝምልከት ዘቕረቦ ሪፖርትን ውሳነ ሓሳብን መርሚሩ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ከምዘፅድቕ ካብ ቤት ፅሕፈት እቲ ምክር ቤት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ቀዋሚ ኮሚቴ ሕጊ፣ ፍትሒን ዴሞክራሲን ናይ ኢትዮጵያ ጉዳያት እስልምና ወቕላላ ምክር ቤትን ናይ ኢትዮጵያ ወንጌል አመንቲ ኣብያተ ክርስቲያናትን ካውንስል ሕጋዊ ሰውነት ንምሃብ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ብዝምልከት ዘቕረቦ ሪፖርትን ውሳነ ሓሳብን መርሚሩ ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.