Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሪፎርም እናገበረ ከምዝኾነ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሕገ-መንግስታዊ ልኡኽቱኡ ንምውፃእ ትካላዊ ሪፎርም እናገበረ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ትካላዊ ሪፎርም ኣድሂቡ ምስ መዳርግቲ ኣካላት እናተዛተየ ይርከብ፡፡

ሃገራዊ ሓድነትን ዘላቒ ሰላምን ምህናፅ፣ ውፅኢታዊ ስግግርን ፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍቲን ምህላዉ ምርግጋፅ፣ ልዕልነት ሕገ-መንግስቲን ሕገ-መንግስታዊነት ምርግጋፅ ከምኡ እውን ትካላዊ ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ምህናፅ ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ዘተኮረ ዘተ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣደም ፋራሕ፥ እቲ ቤት ምኽሪ ሕገ-መንግስቲ ዝሕሉ ትካል ስለዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብ ከይዲ መምርሒታት ስርዓት ኣተረጓጉማን ኣፈፃፅማን ሕገ-መንገስቲ ብዝርዝር ብዘይምድንጋጎም ብፍላይ ኣብ ከም ስምዕታ ኣቀራርባ፣ ውሳነ ኣወሃህባን ኣፈፃፅማን ዝበሉ ክፍተታት ከምዘለዉ ገሊፆም፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ምስ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተበፅሐ ስምምዕነትን ዝተሰርሐ ቀዳማይ ዙር ፀብፃብ መፅናዕቲን ኣድሂቡ እናተዛተየ ከምዝርከብ ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.