Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ መታወቂያ ኩለመዳይ ረብሓ ከምዘለዎ ሚኒስቴር ሰላም ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ መታወቂያ ኣብ ህንፀት ሰላም፣ ልምዓትን ምዕባለን ኢኮኖሚን ድሕንነት ሃገርን ኩለመዳይ ረብሓ ከምዘለዎ ሚኒስቴር ሰላም ኣፍሊጡ።

ምድላው ኣተገባብራ መታወቂያ ዝበፅሐሉ ብርኪ ብዝምልከት ምስ መዳርግቲ ኣካላት ልዝብ ተኻይዱ።

ብቐረባ ክትትልን ድጋፍን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ብመሪሕነት ሚኒስቴር ሰላም፣ ብሓበራዊ ተሳትፎ ዝምልከቶም ትካላት፣ ኣብቲ ዓውዲ ፍልጠት ዘለዎም ኢትዮጵያዊ መናእሰይ ዝተሳለጡ ተግባራት ብዓርሰ ዓቕሚ ፈረ ኣፍሪዩ 8 ኣብ ዝኾኑ ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ፈተነ ተግባር ተኻይዱ ውፅኢታውነቱ ከምዝተረጋገፀ ተሓቢሩ።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ተረባሕቲ እቲ ውፅኢት ዝኾኑ ትካላት ሓደ ዝኾነ ፕሬዚዳንት ባንኪታት ኢንዱስትሪ ባንኪ ኣይተ ኣቤ ሳኖ ኣተሓባባራይነት፥ ምስ ፕሬዚዳንታት 16 ባንኪታት እቲ ስራሕ ዝበፅሐሉ ብርኪን ቀፀልቲ ኣንፈታትን ውፅኢታዊ ልዝብ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ኣብ ዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ 30 ሚሊየን ዜጋታት ንምምዝጋብ ዝተትሓዘ ትልሚ ንምዕዋት ኩሎም ዜጋታትን ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን ሓላፍነቶም ንኽዋፅኡ ፃውዒት ምቕራቡ ካብ ሚኒሰስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.