Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ደቡብ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት ብምድሃብ መግለፂ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ደቡብ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት ብምድሃብ መግለፂ ሂቡ።

መንግስቲ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዝነበረ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ በይናዊ ደው ምባል ተዂሲ ውሳነ እንትውስን ህዝቢ ብኲናት እንተይተረበሸ ስራሕቲ ሕርሻ ንኸካይድን ኣቕርቦት ሰብኣዊ ሓገዝ ብነፃነት ንክፍፀምን ምቹው ኩነታት ንምፍጣር እንትበሃል ኢዩ ኢሉ።

ይኹን እንበር ፈጣሪ ራዕዲ ህወሓት ብመንግስቲ ዝተወሰደ ውሳነ ተጠቒሙ ካብ ስሕተቱ ካብ ምምሃር ኢትዮጵያ ናይ ምፍራስ ዕላማ ምስ ዘለዎም ሓይሊታት ብምትሕብባር ሃገርና ንምፍራስን ሉእላዊ ክብራ ንምድፋርን ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፁ።

ነዚ እኩይ ተግባር ድማ ህፃናት፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ደቂ ኣኒስቲዮ ሓዊሱ ብግዴታ ናብ ኲናት ብምእታው ንሃገርና ጥራሕ ዘይኮነስ ንዓለም ለኸ ሕጊታት ተፈፃሚነት ዘይግድሶ ጨካን ጉጅለ ምዃኑ ብዕሊ አመስኪሩ ኢዩ ኢሉ።

ጉጅለ ህወሓት ኢትዮጵያ ኣብ ዝመርሓሉ ዓማውቲ ህዝቢ ሓደ ንከይኸውን እንትሰርሕ ከምዝፀንሐ ብምግላፅ፥ ብብሔር፣ ቋንቋ፣ ሃይማኖትን ካልኦት ይኸፋፍል ከምዝነበረ ኣዘኻኺሩ እቲ መግለፂ።

ስለዝኾነ መንግስቲን ህዝብን እቲ ክልል ነዚ ተግባር ኣጥብቑ ይኹንን ኢሉ።

መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ፈጣሪ ግብረ ራዕዲ ዝወስዶ ስጉምቲ መንግስቲን ህዝብን እቲ ክልል ከመዝድግፍ ብምግላፅ፥ እቲ ድጋፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣረጋጊፁ።

መላእ ህዝቢ ክልል ደቡብ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምስላፍ ኣብ ምንጋስ ሰላም፣ ፀፅታ ከምኡውን ንህዳሰ ግድብ ዝግበር ደገፍ ብምጥንኻር ሃገራዊ ሓላፍነቱ ነክዋፃእ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.