Fana: At a Speed of Life!

ብሔራዊ ዝተዓለመሉ ድጎማ ነዳዲ ኣብ ዝምልከት ዝተርኣየ ፅቡቕ ጅማሮ  ምስፋሕ ከምዝግባእ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንህዝቢ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ዝህባ ተሽከርከርቲ ተረባሕቲ ዝገብር ብሔራዊ ዝተዓለመሉ ድጎማ ነዳዲ ኣብ ፅቡቕ ጅማሮ  ከምዝርከብ ተሓቢሩ።

ሃገራዊ ዕላማ ዝገበረ ኣተሓባባሪ ኮሚቴ ድጎማ ነዳዲ ፀብፃብ ኣፈፃፅማኡ ገምጊሙ።

እቲ ዕላማ ዝገበረ ድጎማ ነዳዲ ቅድሚ ምትግባሩ ሰፊሕ ናይ ግንዛበ መድረኻት ተዳልዩ፤ ኣብያተ ፅሕፈት መጓዓዝያ ምምሕዳር ክልልን ከተማን ካብቲ ድጎማ ተረባሕቲ ዝኾና ተሽከርከርቲ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ናይ ምልላይ ስራሕ ብዕውት ምፍፃመን ተገሊፁ።

ካብ ባጃጅ ጀሚሩ ክሳብ ሃገር ኣቋረፅቲ ኣውቶብሳት ዘለዋ ዝተፈላለያ ሸውዓተ ምድባት ዝተቐመጣ ተሽከርከርቲ ህዝባዊ ኣገልግሎት ትራንፖርት እቲ ኣገልግሎት ከምዝረኸባን፤ ልዕሊ 615 መዐደሊ ነዳዲ እኹል ግንዛበ ተፈጢሩለን ኣገልግሎት እናሃባ ከምዝኾናን ተሓቢሩ።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ትራንስፖርት መንግስቲ ክልልን ከተማን ተመዝጊበን ሓበሬታ ናብ ማእኸል ካብ ሞንጎ ዝለኣኻ ልዕሊ 186 ሽሕ ተሽከርከርቲ ህዝባዊ ኣገልግሎት ትራንስፖርት÷ እተን 72 ሚኢታዊ ብቴሌ ብር ተመዝጊበን ኣገልግሎት ንክረኽባ ብቑዓት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ገለ ገናሕቲ መካይን ኣብ እዋን ምዝገባ ዝሃብዎ ሓበሬታ ብፍላይ ድማ ቁጽሪ ስልኪ ክፍተት ዝነበረሉ ብምዃኑ÷ ኣገልግሎት ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ እውን ተሓቢሩ።

ነዚ ንምስትኽኻል ኣብ ዝነበረ ከይዲ ብነፃ ማእኸል ፃውዒት ስልኪ 9719 ዝነበረ ስራሕ ፅዕንቶ ከምዘሕደረ ተገሊፁ።

ነዚ ዕላማ ዝገበረ ድጎማ ነዳዲ ኣብ ተግባር ካብ ዝወዓለ 29 ሰነ 2014 ጀሚሩ ዝነበሩ ኣሰራርሓታት ዝነኣድ ከምዝኾነ ኣተሓባባሪ እቲ ኮሚቴ ገምጊሙ።

ኣብ ቀፃሊ ዝሓሸ ኣፈፃፅማን ክስርሑ ዝግበኦም ዕማማት ብምልላይ ዕውትነቱ ክቕፅል ከምዘለዎ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ምርድዳእ ከምዝበፅሑ ካብ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.