Fana: At a Speed of Life!

ብር 52 ሚሊየን ዘግመቱ ኣቕሑት ኮንትሮባንድ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ጥራሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ብር51 ነጥቢ 9 ሚሊየን ዝግመቱ ኣቕሑት ኮንትሮባንድ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም።

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ልዕሊ ብር 31 ሚሊየን ዝግመት ናብ ውሽጢ ዓዲ እንተኣቱ ዝተትሓዘ እንትኸውን፥ ልዕሊ ብር 20 ሚሊየን ዝኸውን ድማ ካብ ሃገር ንምውፃእ እንትፍተን ዝተትሓዘ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ካብ ዝወዓሉ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ፥ እንስሳት፣ ፍርያት ምግቢ፣ ገይፀ መይፂ፣ ክዳውንቲ፣ ኤሌክትሮኒስን መዐወኒ ሓሽሽን ይርከቡዎም፡፡

ልዑል መጠን ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ኣብ ትሕቲ ጨንፈር መስመር ሞያሌ ኣብ ዝርከቡ ሞያሌ፣ ያቤሎ፣ ነጌሌ ቦሮና፣ ቡሌሆራ መዐወኒ ሓሽሽ፣ ኣብ ትሕቲ መስመር ጨንፈር ሃዋሳ ዝርከቡ ጢጢቻ፣ ጪጬ፣ ኮንሶ፣ ኣዳባ፣ ዲላ ድማ ብር ትሽዓተ ሚሊየን ዝግመት ዝተፈላለዩ ክዳውንቲ፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ሺጋራ፣ ኮስሞቲክስ፣ ልባስ ዓለባ፣ ኣቑሑት መለዋወጢን ኢዮም፡፡

ኣብ ጨንፈር ባህርዳር መቆፃፀሪ ጣቢያታት ሰቫራ፣ ሻውራን መተማን 30 ጠያይቲ ብሬይን፣ 166 ጥይት ክላሽ፣ 771 ዶላር ኣሜሪካ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕሉ ከምዝተገበረ ካብ ሚኒስቴር እቶት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.