Fana: At a Speed of Life!

ብዓል ዳሜራ ኣብ ዝኽበረሉ መስቀል ኣደባባይ መርሃ ግበሪ ፅሬት ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መስቀል ኣደባባይ ዝኽበር ብዓል ዳሜራ ምኽንያት ብምግባር እቲ ብዓል ዝሳለጠሉ ቦታ መርሃ ግበሪ ፅሬት ተሳሊጡ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ፤ ኣቦታት ሃይማኖት ዝተፈላለዩ ስዓብቲ እምነት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ካልኦት ነበርቲ እታ ከተማን ተሳቲፎም።

ወፍሪ እዚ ፅሬት ሓድነት ዝተፈላለዩ ስዓብቲ እምነት ንምንፅብራቕራን ሰናይ ትምኒቶም ንክገልፁን ተባሂሉ ዝተዳለወ ከምዝኾነ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

ድሕሪ እቲ ወፍሪ ፅሬት እተን ከንቲባ ብዓል ዳሜራ ኣብ ዝኽበረሉ መስቀል ኣደባባይ ናይ ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖትን ምእመናትን ዝተሳተፍሉ፤ ናይ እንኳዕ ኣብፅሐኩም ሰናይ ትምኒቶም ዝገለፅሉ ወፍሪ ፅሬት ምስላጡን እቲ ቦታ ነቲ ብዓል ድልው ምዃኑ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ገሊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.