Fana: At a Speed of Life!

ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ናብ ኣዲስ ኣበባ እናኣተዉ ዝነበሩ መሳርሒታት ኲናት ተታሒዞም

ኣዲስ አበባ፣ 04 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናኣተዉ ዝነበሩ መሳርሒታት ኲናት ኣብ ከተማ ሰበታ ተታሒዞም።

ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ከተማ ምምሕዳር ሰበታ ከም ዘመላኸቶ፥ እቶም ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናት ክተሓዙ ዝኸኣሉ ካብ ሕብረተ ሰብ ብዝተረኸበ ሓበሬታ ኢዩ።

ኣካላት ፀፅታ ከተማ ሰበታ ብዝተገበረ ምክትታል ኣብ ፅዕነት መመላለሲ ኣይሱዙ ተፃዒኖም ካብ ቦንጋ ናብ ኣዲስ ኣበባ እናተጓዓዓዙ ዝነበሩ 52 መሳርሒታት ኲናት ክላሽን ኮቭ ከምዝተትሓዙ መምርሒ ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

እቶም መሳርሒታት ኲናት፥ ኣብታ ተሸከርካሪት ብሕቡእ ብዝተራቐቐ መገዲ ኣብ ዝተሰናድአ ቦታ ተፃዒኖም እናተጉዓዙ ከምዝነበሩ እቲ መምርሒ ፖሊስ ገሊፁ።

 

ኣካላት ፀፅታ እታ ከተማ ብዝገበሩዎ ፍተሻ እቶም መሳርሒታት ኲናት ክተሓዙ ከምዝኸኣሉን ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ናይ ምፅራይ ስራሕቲ እናተገበረ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ሕብረተ ሰብ መሰል ኣጠራጣሪ ነገራት እንትርኢ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ሓይሊታት ፀፅታ ሓበሬታ ንኽህቡ መምርሒ ፖሊስ እታከ ከተማ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.