Fana: At a Speed of Life!

ብዘጋርዲያን ንመጭበርበሪ ዝወዓለ ምስሊ ተመዛበልቲ ኣዴታት ዋግህምራ ብበዓል እቲ ፎቶ ጋዜጠኛ ተቓሊዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋዜጠኛ ፎቶ ጌቲ ኢሜጅስ ጀማል ኮንተስ ኣብ ሰቆጣ ዘልዐሎ ምስሊ ተመዛበልቲ ኣዴታት ዋግህምራ ናይ እንግሊዙ ዘጋርዲያን ኣብ ክልል ትግራይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝፈፀሞ በደል ዝተጎድኡ ኣዴታት ብምምሳል ዓለም ለኸ ማሕረሰብ ብዝተሰሓሓተ ሓበሬታ ምጭብርባሩ ኣቃሊዑ።

እቲ ጋዜጣ ዘልዐሎ ምስሊ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዋግ ህምራ ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ራዕዲ ፈሪሐን ብምህዳም ኣብ ሰቆጣ መዓስከር ሓይሊ መብራህቲ ዝተዓቖባ ተመዛበልቲ ኣዴታት ከምዝኾና ኣብ ትዊተር ገፁ ፅፉ፡፡

እቲ ምስሊ ኣብዚ ዓመት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 30 መጋቢት ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ዕላዊ ከምዝገበሮ ኣመልኪቱ።

ይኹን እምበር ዘጋርዲያን ነቲ ምስሊ ዝተጠቐመሉ “ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት” ብዝተሰሓሓተ መልክዑ ንምርኣይን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንምጭብርባርን ኢዩ ክብል እቲ ጋዜጠኛ ኣቃሊዑ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.