Fana: At a Speed of Life!

ብዶ/ር ኢ/ር ስለሺ በቀለ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ሱዳንን ግብፂን ዝተገበረ ውፅኢት ድርድር ማዕቐፍ ሕጊ ኣብ ዋሸንግተን ዲሲ ምግማጋም ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ምስ ልኡኻት ሱዳንን ግብፂን ዝተገበረ ውፅኢት ድርድር ማዕቐፍ ሕጊ ኣብ ዋሸንግተን ዲሲ ምግማጋም ጀሚሩ።

እቶም ሚኒስትር፥ ነቲ ውፅኢት ድርድር ማዕቐፍ ሕጊ ንምርኣይ ትማሊ ናብ ዋሸንግተን ዲሲ ምእታዎም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፆም ኣፍሊጦም።

ብመሰረት እዚ እቲ ልኡኽ ኣብቲ ውፅኢት ድርድር ማዕቐፍ ሕጊ ግምገማ ከምዘካየደ ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ዋላ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ይዛተ እምበር፥ ኣብ ስምምዕነት ዘብፅሕ ናይ ሓባር ሰነድ ከዳሉ ከምዘይከኣለ ግን እቶም ሚኒስትር ኣብሪሆም።

እቲ ድርድር ሎሚ መዓልቲ እውን ቀፂሉ ከምዝውዕል ኢዮም ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ዝገለፁ።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ብመሰረት ዝተትሓዘ ቆፀሮ፥ ሚኒስተራት ጉዳያት ወፃኢን ሚኒስትራት ማይን ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ፅባሕ ኣብ ዋሸንግተን ተራኺቦም ኣብ ውፅኢት ድርድር ማዕቐፍ ሕጊ ኣድሂቦም ክዛተዩ ኢዮም።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣሜሪካን ተወከልቲ ባንኪ ዓለምን እውን ኣብ ናይ ፅባሕ ዘተ ከምዝርከቡ ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ ኣፍሊጦም።

ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኣድሂቦም ኣብ ዝግበሩ ድርድራት ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምሕላው ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕ እቶም ሚኒስትር ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.