Fana: At a Speed of Life!

ቫይረስ ኮሮና ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንኸየጋጥም ንምክልኻል ዘኽእል ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንምክልኻል ዘኽእል ግብረ ሓይሊ ከምዝተጣየሸ ጠቅላይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ጄኔራል ኣደም መሓመድ ገሊፆም።

ጄኔራል ኣደም እቲ ቫይረስ ኣብ ሰራዊት ንከየጋጥም ዓሊሙ ዝግበር ዘሎ ስራሕቲ ምክልኻል ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂቦም።

ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ሰላም ንምኽባር ኣብ ውሽጢ ሃገርን ካልኦት ዝተፈላለዩ ሃገራት ወፃኢን ተዋፊሩ ከምዘሎ ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም።

እቲ ሰራዊት ካብ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ሓደጋታት ንገዛእ ርእሱ ንምክልኻልን ዝተውሃቦ ሓላፍነት ንምውፃእን ድማ ቅድሚ ኩሉ ጥዕንኡ ክሕሊ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ካብ ዘሎ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝዓለመ በቢብርኩ ግብረ ሓይሊ ምጥያሹ ጄኔራል ኣደም ኣፍሊጦም።

ሓዱሽ ምልመላን ፍቓድን ሰራዊት ከምዘይህሉ ዝሓበሩ ጄነራል ኣደም፥ ንድሕንነቱ ክብል እቲ ሰራዊት ኣብ ዝነብረሎም ካምፕታትን መንበሪታትን ምስ ሰባት ዘለዎ ምንኽኻእ ከቋርፅ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ብተወሳኺ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዘኽእሉ ቅድመ ጥንቃቐታት ተግባራዊ ክገብር ከምዝግባእ ሓቢሮም።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.