Fana: At a Speed of Life!

ቫይረስ ኮሮና ኣብ ጎረቤትና ኬኒያ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣4 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ኬኒያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተጠቕዐት ጓል ኣነስተይቲ ንመጀመርታ ጊዘ ከምዝረኸበት ኣፍሊጡ።
 
ሚኒስትር እቲ ቤት ዕዮ ሙታይ ካግዌ፥ እታ ግዳይ ብ5 መጋቢት ካብ ኣሜሪካ ዝመፅአት እኳ እንተኾነት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፈት ግን ትማሊ’ዩ ውፅኢት ተነጊሩዋ ክብላ ገሊፀን።
 
እታ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈት ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ደሓን ኩነታት ጥዕና ከምዘላ ብምግላፅ፥ ኣብ መዕቖቢ ክፍሊ ብምፍላይ ክትትል ይግበረላ ከምዘሎ ተዛሪበን።
 
ሙቐት ሰብነታ ከም ዝነከየን ብምግላፅ፥ ናፃ ክሳዕ እትኸውን ንበይና ተፈልያ ክትፀንሕ እያ ተባሂሉ።
 
ሰራሕተኛታት መንግስቲ’ውን ናብ ካልኦት ሃገራት ከይንቀሳቐሱ ከምዝተኣገዱ ተገሊፁ።
 
ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ጋና ክልተ ግዳያት በቲ ሕማም ክልከፉ እንከለው፥ ጋቦን ድማ ፈላማይ ሰብ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፈ ረኺባ’ላ።
 
ፍልፍል፦ ቢቢሲ
 
እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.