Fana: At a Speed of Life!

ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል መናእሰይ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ይግባእ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል መናእሰይ ትፅቢት ዝግበረሎም ሓላፍነት ክዋፅኡ ከምዝግባእ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣተሓሳሲበን።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ፥ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣብ ዘሰናድኦ መድረኽ ጥዕና መናእሰይ ተረኺበን መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብቲ እዋን ከምዝገለፀኦ፥ መናእሰይ ቅድሚ ኩሉ ኣካላዊን ኣእምሮኣዊን ጥዕነኦም ኣብ ምሕላው ትኹረት ክገብሩ ይግባእ።

“ጥዕንኡ ዝሓለወ ወለዶ እንተዘይሊዩ ሃገር ብጥዕና ውዒላ ኣይተሓድርን” ዝበላ እተን ፕሬዚዳንት፥ እታ ሃገር ኣንፀላሊዩዋ ካብ ዘሎ ለበዳ ክትወፅእ ትኽእል ብጥንኩር ቃልሲ መናእሰይ ከምዝኾነ ኣገንዚበን።

ብመንፅር እዙይ ድማ መናእሰይ ንባዕሎም ካብቲ ለበዳ ብምሕላውን ንሕብረተሰብ ብዛዕባ እቲ ሕማም ግቡእ ሓበሬታ ብመሃብን ካብኦም ትፅቢት ዝግበር ሓላፍነት ክዋፅኡ ይግባእ ኢለን።

መናእሰይ ሓደሽቲ ነገራት ንምፍጣር ድሉዋት እንድሕር ኮይኖም፥ ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ዝሐሸት ከምትኸውን ዘለወን እምነት ገሊፀን።

መናእሰይ ኣርሒቑ ዝእምት ትልሚ ክህልዎም ከምዝግባእ፣ ጠበቓታት ሰላምን መራሕቲ ልምዓትን ክኾኑ ከምዝግባእን እውን ኣተሓሳሲበን።

መንግስቲ ተሳትፎን ተረባሕነትን መናእሰይ ብፍላይ ድማ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ተሳትፎ ንምርግጋፅ ዝወፅኡ ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን ተግባራዊ ንኽኾኑ ትኹረት ገይሩ እናሰርሐ ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣገንዚበን።

ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ብግደአን፥ ቤት ዕዮ እቲ ሚኒስቴር ኣብዚ ዓመት ዘፅደቖ መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት፤ ጥዕና መናእሰይ ቀንዲ ዕላምኡ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ኣብዚ ዓመት ድማ ኣብቲ ሚኒስቴር ጥዕና መናእሰይን ሰገናትን ዝከታተል ሓዱሽ ጉጅለ ከምዝተጣየሸ ተዛሪበን።

ኣንፀላሊዩ ዘሎ ሓደጋ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ብፍላይ መናእሰይ ዝከኣሎም ኩሉ ክገብሩ ከምዝግባእ ፃውዒት ምቕራበን ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.