Fana: At a Speed of Life!

ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ብዝምልከት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ነጋዶን ሰብ ሃፍቲን ዓቕሚ ንዘይብሎም ክሕግዙ ከምዝግባእ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ገሊፆም።

ኣስተምህሮ እስልምና ግዘ እናሓለኻ ዘየድሊ ወሰኽ ዋጋ ምግባር ከምዘይፈቅድ ብምግላፅ፥ እዚ ዝገብሩ ኣካላት ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሶቦም።

መንግስቲ ሕጊ ንምኽባር ዓሊሙ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ እውን ግቡእ ከምዝኾነ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ ኣብሪሆም።

ሰላት ጁምዓ ከምኡ እውን ህዝበ ሙስሊም ብበዝሒ ዝእከበሎም ስርዓታት ሃይማኖት ብዝምልከት ክሳብ ሐዚ ዝተውሃበ ውሳነ ከምዘየለ እውን ተዛሪቦም።

ይኹን እምበር ግቡእ ጥንቃቐ ክግበር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

መናእሰይ ብሰናይ ፍቓዶም ንዝገብርዎ ዘለዉ ሓገዝን ፃዕሪን እውን አመስጊኖም።

ኩሉ ሰብ ፈጣሪ ብምልማን፣ ካብ ክፉእ ተግባር ብምርሓቕን ሰብ ሞያ ሕክምና ዝህብዎ ምኽሪ ተግባራዊ ብምግባርን ንገዛእ ርእሱ ካብ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ክከላኸል ክምዝግባእ ሓቢሮም።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.