Fana: At a Speed of Life!

ተፃዋታይ ክፍሊ ምክልኻል ጋንታ ቸልሲ ኣንቶኒዮ ሮዲገር ወፃኢ መጥባሕቲ ሕክምና 11 ሴራሊዮናውያን ህፃናት ሸፊኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተፃዋታይ ክፍሊ ምክልኻል ጋንታ ቸልሲ ኣንቶኒዮ ሮዲገር ወፃኢ መጥባሕቲ ሕክምና 11 ሴራሊዮናውያን ህፃናት ብምሽፋን ዕዉት ሕክምና ምርካቦም ተገሊፁ።

እቶም ብሓገዝ ሮዲገር ሕክምና ዝተገበረሎም ህፃናት፥ ምንቃዕ ከንፈር፣ ብባርዕ ሓዊ ዝተጎድኡን ኣብ ሰውነቶም ፀገም ቅርፂ ዝነበሮምን ህፃናት ኢዮም ተባሂሉ።

ካብ ሴራሊዮናዊት ኣዶ ዝተወለደን ምስ ብሄራዊት ጋንታ ጀርመን ዝፃወትን ኣንቶኒዮ ሮዲገር፥ ኣብ ናይ እንኡ ሃገር ሰናይ ተግባር ምስርሑ ከምዘሐጎሶ ተዛሪቡ።

“መበቆለይ ንዝኾነት ሴራሊዮን ይፈትዋ ኢየ” ዝበለ ሮዲገር፥ “ምስ ቢግሹ ብምትሕብባር ሓገዝ ምግባረይ ሕጉስ ኢየ” ኢሉ።

እቲ መጥባሕቲ ሕክምና ዕዉት ምንባሩ ካብ ጉጅለ ኣባላት ሕክምና መልእኽቲ ከምዝበፅሖ ብምግላፅ ነቶም ጉጅለ ኣባላት ሕክምና እውን ምስጋና ኣቕሪቡ።

ፍልፍል፡- ሲ ጂ ቲ ኤን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.