Fana: At a Speed of Life!

ትራማዶል ግቡእ ብዘይኮነ መገዲ ምጥቃም ንሃንደበታዊ ሞት ከምዘቃልዕ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትራማዶል ካብ ፍቓድ ሓኪም ወፃእ ብሓደ ግዘ ኣብዚሕኻ ምውሳድ ካብ ሃንደበታዊ ሞት ክሳብ ቀፃልነት ዘለዎም ፀገማት ጥዕና ዘቃልዕ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ትራማዶል ዝተብሃለ ግዚያዊ ፀረ ቃንዛ ክኒን ግቡእ ብዘይኮነ መገዲ እናተዘውተረን ወልፊ እናኾነን ጥዕና መናእሰይ እናመሳቐለ ከምዝኾነ ኣብ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ በዓል ሙያ ጥዕና ዝኾኑ ዶ/ር መስፍን በሃይሉ ገሊፆም፡፡

መብዛሕትኦም ካብ 8ይ ክሳብ 12 ክፍሊ ዝርከቡ ተምሃሮ ብወልፊ ትራማዶል ከምዝተትሓዙ ብምሕባር÷ ብዘይ እኹል ምኽንያትን ተደጋጊሙ እንትውሰድን ናብ ወልፊ ከምዝሰጋገር ኣብሪሆም፡፡

“ወልፊ ትራማዶል ብልዑል ብርኪ እናተስፋሕፈሐ ዝርከብ ሓደገኛ ፀገም ስነ-ኣእምሮ ኢዩ” ዝበሉ እቶም በዓል ሞያ÷ ካብ ሃንደበታዊ ሞት ክሳብ ቀፃልነት ዘለዎም ፀገማት ጥዕና ዘቃልዕ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ብሓደ ግዘ ብበዝሒ እንተተወሲዱ ድማ ንሞት ከምዘቃልዕ ምግላፆም ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ምንዛር ሓንጎል፣ ምድካም ኩሊት (ምብእኣስ)፣ ምምካኽ ጭዋዳን ንዝኸፍአ ፀገም ስነ-ልቦናን ከምዘስዕብ ኣልዒሎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.