Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ንሓበራዊ ረብሓ ምስ ኢትዮጵያ ብቐረባ ንምስራሕ ድልውቲ ኢያ-ዋና ዳይሬክተር ጉዳያት ኣፍሪካ ኣብ ቻይና  

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ንሓበራዊ ረብሓ ምስ ኢትዮጵያ ብቐረባ ንምስራሕ ድልውቲ ኢያ ክብሉ ዋና ዳይሬክተር ጉዳያት ኣፍሪካ ኣብ ቻይና  ው ፔንግ ተዛሪቦም።

በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ተፈራ ደርበው ደብዳቤ ሹመቶም ናብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ኣቕሪቦም።

እቶም ኣምባሳደር ምስ ው ፔንግ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ቻይና ዘሎ ክልቲኣዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ባህጊ ኣለዎ ኢሎም።

ው ፔንግ በግደኦም፥ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ቂን ጋንግ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ዑደት ዘለዎ ረብሓ ኣብሪሆም።

ንሓበራዊ ረብሓ እተን ሃገራት ምስ እቶም ኣምባሳደር ብቕርበት ከምዝሰርሑ እውን ተዛሪቦም።

ቻይና ንሓበራዊ ረብሓ ምስ ኢትዮጵያ ብቐረባ ንምስራሕ ድልውቲ ኢያ ድማ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.