Fana: At a Speed of Life!

ነበርቲ ንፋስ መውጫ ኣብ ግምባር ተረኺቦም ንጅግና ሰራዊት ምክልኻል እንግዶት ምሳሕ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበርቲ ንፋስ መውጫ ቀበሌ 2 ኣብ ግምባር ተረኺቦም ንጅግና ሰራዊት ምክልኻል እንግዶት ምሳሕ ገይሮም።

ግፍዒ ዝፈፀመሎም ወራሪ ሙሉእ ብሙሉእ ክሳብ ዝድምሰስ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ብምዃን ዘለዎም ድጋፍ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ሰራሕተኛ መንግስቲ እቲ ቀበሌ ኣይተ ፃዲቕ ገነነ ተዛሪቦም።

ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ ዝበለፀ ንኽንተኣማመነሉ ገይሩና ኢዩ ዝበሉ ኣይተ ፃዲቕ ገነነ፥ ኩለመዳይ ተግባራት ብምፍፃም ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ምዃኖም ከምዘረጋግፁ ኣብሪሆም።

ኣብቲ ናይ ዝርከብ ኣሃዱ ኣዛዚ ሌ/ኮ ሁሴን እንድሪስ፥ነበርቲ ጋይንት ንፋስ መውጫ ቀበሌ 02 ንሰራዊት ምክልኻል ንዝገበሩዎ እንግዶት ምሳሕ ብሽም ሰራዊት ምክልኻል ኣመስጊኖም።

“ወርቃዊ ደጀን ሒዝና ሙሉእ ንሙሉእ ግብረ ራዕዲ ሓይሊ ክንድምስሶ ኢና” ምባሎም ካብ ፌስቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.