Fana: At a Speed of Life!

ናይ ኢትዮጵያ ቡና ብቐጥታ ናብ ዕዳጋ ኣልጀሪያ ብዛዕባ ዝቐርበሉ ኩነታት ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ኢትዮጵያ ቡና ብቐጥታ ናብ ዕዳጋ ኣልጀሪያ ብዛዕባ ዝቐርበሉ ኩነታት ዘተ ተኻይዱ።

ኣብ ኣልጀሪያ ፍሉይ ጣዕሚ ቡና ብምቕላው  ናብ ዕዳጋ ብምቕራብ ምስ ዝፍለጥ ሓለፍቲ ኩባንያ ፌኔክ ኮፊ ኢዩ እቲ ዘተ ተሳሊጡ።

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣልጀሪያ ምስ እቶም ሓለፍቲ ኣብ ዝተገበረ ዘተ ምስ ትካላት ለኣኽቲ ኢትዮጵያ ርክብ ምጅማሩ ተረባሒ ዋጋን ፅርየትን ክኸውን ከምዘገብር ዝፍለጥ ኢዩ።

ይኹን እንበር ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት እቲ ዕዳጋ ብሳልሳይ ወገን እንትካየድ ከመዝፀንሐ ኢዩ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ናይ ኢትዮጵያ ቡና ብቐጥታ ናብ ዕዳጋ ኣልጀሪያ ብዛዕባ ዝቐርበሉ ኩነታት ዘተ ምክያዱ ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.