Fana: At a Speed of Life!

ንሕማም ቫይረስ ኮሮና እንተተቓሊዕና ከጋጥሙና ዝኽእሉ ልቢ ዘይበልናዮም ፀገማት ጥዕና

 ንቫይረስ ኮሮና እንተድኣ ተቃሊዒና ኣብ ሂወትና ኣጋጢምና ዘይፈልጥ ነዳድ ይሰደልና።

 ከምቲ ልሙድ ሰዓል ከይመስለና እዝይ ፍልይ ዝበለ እዩ፣ ኣብ ኣፍንጫና ስፖንጅ ዝተወተፈና ብዝመስል መልክዑ ምስትንፋስ ኣይንኽእልን፤

 ኣየር ክንመልእ ብሓይሊ ንዉሽጢ ንስሕብ ንሙክር እሞ ምትንፋስ ግን ይኣብየና፣ ሽዑ ንስንብድን ንፈርሕን፤

 ኣብ እንስዕለሉ እዋን ኣእዳዉና፣ ሑቐና፣ ፅፍሪ ኢድናን እግርናን ከቢድ ቃንዛ ይስመዓና፣ ብሓይሊ ስለ እንስዕል ርእስና እዉን ክስሕት ንኽእል፤

 ሰዓልን ረስንን ጥራሕ ዘይኮነስ ምስትንፋስ እዉን ኣዝዩ ስለዝከብደና ኦክስጅን ይወሃበና፣ እዙይ ከዓ ልክዕ ሓዊ ከምዝተሰደደልና ኣፍንጫና የቃፅለና፤

 ሐዚ እዉን እንተዘይኪእልና ሓኪም ይመፅእሞ 2 ፍርቂ ሜትሮ ንዉሓቶም ቱቦታት ብጎሮሮና ኣቢሉ ናብ ሳምባና ይሰደልና።

 እዚ ኹነታት ከቢድን መሰልቸዉን ብምኻኑ ምግቢ ክንበልዕ ወይ ክንሰቲ ኣይንኽእልን፤

 ኣብዚ ኣዝዩ ከቢድ ቃንዛ እናሃለና ኣዴና፣ ኣቦና፣ ደቅና፣ ሓዉና፣ ሓፍትና፣ ሰበይትና ወይ ድማ ሰብኣይና ወይ ኣዕርኽትና ንናፍቆም ክርይእዩና ንደሊ ግን ዋላ ሓደ ክንረክብ ኣይፍቀደልናን፤

 ምኽንያቱ በቲ ክቐትለና ዝሸባሸብ ዘሎ ክፉእ ሕማም ንከይልከሙ።

 እምበኣር ኣብ ከምዚ ዓይነት ከቢድ ኩነታት ጥዕና በይንና እንትንኸዉን ኣዚና ንፈርሕ ንጭነቅን።

 ንሕና እንፈትዎም ሰባት እናዘከርና ብነብስና ከድሕኑ ዝረባረቡ ሓካይም ተኸቢብና ካብ ሞት ንምምላጥ ንበይንና ፋሕጠርጠር ንብል።

 ነዙይ እዩ ድማ ማስክ ንጠቐም፣ ኣብ ገዛ ንፅናሕ፣ ኣእዳዉና በብእዋኑ ብማይን ሳሙናን ንተሓፀብ፣ ሳኒታየዘር ክንጥቀም ዝግበአና።

 ኩሎም መከላኸሊ ሜላታት ቫይረስ ኮሮና ብምትግባር ዓርስናን እንፈትዎም ሰባትን ካብ ስቓይ ኮሮናን ሞትን ንከላኸል!

ምልክታት ቫይረስ ኮሮና እንትስመዐና ናብ 6244 ንደውል።

ፍልፍል፦ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.